ጀርመን፣ ምስ መንግስታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ትዝቲ

ጀርመን፣ ምስ መንግስታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ትዝቲ

Radio Erena: 16 December 2015

German

ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ንምዝታይ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ብሚኒስተር ምትሕግጋዝን ልምዓትን ገርድ ሙለር ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ጀርመን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ዘትዩ።

ጀርመን ጎኒ’ጎኒ’ቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ሰሊዕዎ ዘለዎ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ኣብ ጽላት ትምህርቲን ካልእ መደባትን ሓገዝ ብምብርካት፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

እታ ሃገር ንመንግስቲ ኤርትራ እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ኣብ 2007 ደው ድሕሪ ምባላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳግም ንምጅማሩ’ያ ትሓስብ።

 

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ጀርመን ሓደ ካብቲ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብቀጻሊ ዘዛርብ ነጥቢ’ዩ።

ጀርመን ኣቐዲማ’ውን፣ ነቲ ብዶብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስቲ ሱዳን ተመሳሳሊ ዝርርብ ከምዘካየደት ይፍለጥ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕል ናይ 12 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ብምብርካት ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ከቲማ’ላ።

ብውሕዱ ክልተ ሚልዮን ካብቲ ዝብርከት ሓገዝ፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ንዝካየድ ንጥፈታት ምግእት ዋሕዚ ስደተኛታት ክውዕል’ዩ።

ኣብ ጀርመን ብጠቕላላ 12 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝጠቐሰ፣ ነቲ ስምምዕ ዝኸተመ ወኪል መንግስቲ ጀርመን ኣብ ጉዳያት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ራልፍ ማትያስ ከኣ፣ እቶም ሓደ ሚልዮን ብመንገዲ ሱዳን ዝመጹ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝቕበላ ዘላው ሃገራት ኤውሮጳ ዝኾነት ጀርመን፣ ምስ ግብጺ’ውን ተመሳሳሊ ዝርርብ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ጀረመን ከባቢ ከተማ ሃምቡርግ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኣስታት 80 ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ግጭት ከምዘካየዱ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ብኣባትርን ኣእማንን ዝተኻየደ ግጭት፣ ጠንቑ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ቦታታት ግጭት ክካየድ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

==================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0