መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ካብቲ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ከካዪዶ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ስሒቡ

Sunday, 27 November 2022

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ካብቲ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ከካዪዶ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ 2018 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ክቕጽል ክቋረጽ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፣ ኣብ 2020 እዩ ኣብ ምቁራጽ ተኹሲ ስምምዕ ተበጺሑ።

እንተኾነ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን በርናባ በንጃሚን ማሪያል ንኤ.ኤፍ.ፒ. ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ልፍንቲ መስሪቶም ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ነቲ ዘተ ሰላም ግዜ ንምዕዳግ ይጥቀምሉ ስለዘለዉ፣ ከነቋርጾ ወሲንና ክብል ገሊጹ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ‘ናሽናል ሳልቬሽን ፍሮንት’ ዝተባህለ ዕጡቕ ተቓዋሚ፣ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ብኣልማማ መጥቃዕቲ ኣካዪዱ ብምባል ካብ ዘተ ሰላም ምስሓቡ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ቁርቁስ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ንደቡብ ሱዳን ኣብ እግሪ ተኽላ ኣብ ዓዘቕቲ ቅልውላው ከምዝሸመማ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ብዘይካ’ቲ ልዕሊ 400 ሽሕ ህይወት ዝቐዘፈ ግጭት፣ ዝበዝሐ ህዝቢ’ታ ሃገር ተጸባዪ ረዲኤት ከምዝኸውን ገይሩዎ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ማለት ክልተ ሲሶ ካብ ህዝባ፣ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልዩዎ ከምዘሎ ገሊጹ’ዩ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0