መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ንዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ስራሕ ከይቖጽራ ዝእግድ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ ሰሪዝዎ

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ንዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ስራሕ ከይቖጽራ ዝእግድ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ ሰሪዝዎ

Radio Erena : 19 September, 2014

Ben

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ንዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ስራሕ ከይቖጽራ ዝእግድ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ሰሪዝዎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባርናባ ማርያል በንጃሚን፣ ትማሊ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ብሚኒስትሪ ዕዮ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ግቡእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ህዉኽን ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ኣዋጅ፣ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ኢትዮጵውያን፣ ኡጋንዳውያንን ኬንያዉንን ብኣሉታ ክጸሉ ከምዝኽእል’ዩ ተጊሚቱ ኔሩ።

 

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ነተን ኣብቲ ሃገራት ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን፣ ቀዳምነት ንዜጋታት ደቡብ ሱዳን ናይ ስራሕ ዕድል ክህባ ዘገድድ ሓድሽ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ከም ኦክስፋም ዝኣመሰላ ትካላት፣ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል’የን ዝጠቕሳ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ኩባንያታትን ኣብ ስራሕ ቆጺረንኦም ዘለዋ ወጻእተኛታት ብምብራር ብዜጋታት ደቡብ ሱዳን ክትክኣ ሓድሽ ኣዋጅ ምምሕልላፉ ክክሸት ንዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝበኣሰ ዘጋድድ ምዃኑ’የን ትካላት ረዲኤት ዘመልክታ።

ደቡብ ሱዳን፣ ዘይመንግስታዊ ትካላታን ኩባንያታትን ንወጻእተኛታት ስራሕ ከይቆጽራ ዝእግድ ኣዋጅ ኣውጺኡ እኳ እንተነበረ፣ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ግና ኣየገደደን።

እቲ ኣዋጅ ብታህዋኽ ዝወጸ ምዃኑ ዝተኣመነ ሚኒስተር በንጃሚን ከኣ፣ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዓብላልነት ወጻዕተኛታት ኣብ ስራሕ ምስትኽኻል ከምዘድልዮ ብምጥቃስ፣ በዚ ተኣዊጁ ዝነበረ ሕጊ ዝትንከስ ሰራሕተኛ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0