መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ተቓወምቱን ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፈሪሞም

መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ተቓወምቱን ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፈሪሞም

Radio Erena: 24 December 2017

Juba peace agreementመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምፍራሙ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ተመሳሳሊ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ብዕለት 22 ታሕሳስ ልኢኹ።

ብመንጎኝነት ኢጋድ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሐ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ካብ ሰምበት 24 ታሕሳስ ጀሚሩ’ዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል።

እዚ ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብክልቲኦም ወገናት እንተተኸቢሩ፣ ናብቲ ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ዝሳቐይ ዘሎ ገለ ክፋል ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ረዲኤት ዝበጽሓሉ ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጥር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ብቀዳም 23 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኩሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል’ታ ሃገር ነቲ ስምምዕ ሰላም ከኽብሩዎ ጸዊዑ። መራሒ ተቓወምቲ ሓይልታት ሪክ ማቻር ብወገኑ፣ ኩሎም ዕጡቓት ካብ ሰምበት ዕለት 24 ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ተኹሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ’ሎ።

ኣብ 2015 ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ንምብርባሩ፣ ክልቲኦም ወገናት ወከልቶም ናብ ኢትዮጵያ ልኢኾም ከምዝቐነዩ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0