መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ንዝፍነወሉ ዘሎ መጥቃዕታት ንምምካት ክተት ኣዊጁ

Radio Erena: 26 July 2021

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ንዝፍነወሉ ዘሎ መጥቃዕታት ንምምካት ክተት ኣዊጁ።

እቲ ክልላዊ መንግስቲ፣ ነቲ ኩሉ ዓቕሙ ኣኽቲቱ ይዋጋኣና’ሎ ዝበሎ ሓይልታት ትግራይ ንምግጣም ዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ህዝብን ናይ ሎጂስቲክን ቀረባትን ከምዘድሊ ብምጥቃስ’ዩ ኩሉ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ተወላዲ ኣምሓራ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ።

ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ፣ ካብ ኣምሓራን ካልእ ክልላትን ንዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ሓይልታት፣ ኣብ ከባቢ ራያን ኣላማጣን ከቢድ ክሳራታት ከምዘውረዱ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ፣ ንቆቦን ከባቢታት ወልድያን ብምቑጽጻር፣ ይግስግሱ ከምዘለዉ ይሕብሩ።

ብክልል ዓፈር’ውን ተመሳሳሊ ገስጋስ ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ፣ ናይ መወዳእታ ዒላማ መጥቃዕቶም ኣበይ ከምዝዛዘም ኣየነጸሩን።

ይኹን’ምበር ንከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ኣብ ከበባ ብምእታውን፣ ንኢትዮጵያ ምስ ጁቡቲ ዘራኽብ መስመር ሓደጋ ብምውዳቕን፣ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ዘቕረብሉ ቅድመ ኩነታት ንኽቕበል ዘገድድ ወትሃደራዊ ሚዛን ንምፍጣር ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0