መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዑቕ ግፋ የካይድ

መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዑቕ ግፋ የካይድ

isመንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ከተማታት ተል ኣቪቭን ፐታኽ ቲክቫን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዑቕ ግፋ የካይድ ኣሎ።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብዘን ክልተ ከተማታት ዘካዪዶ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፡ ግፍዒ ዝተሓወሶ ምዃኑ፣ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

 

እቲ ግፋ፡ ካብ መንገዲ፣ ካብ ናይ ስራሕ ቦታን ህዝባዊ ቦታታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ መንበሪ ቤቶም ከይተረፈ ማዕጾ ሰቢሮም ብምእታዉ፡ ነቶም ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብለይቲ ይወስድዎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ቶም ኣብዚ ግፋ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣኽበርቲ ጸጥታ እስራኤል፡ ሲቪላዊ ክዳን ለቢሶም ዝተዋፈሩ ኣባላት ጸጥታ፡ ንዝደለዪዎ ኤርትራዊ ሃንደበት ቪዛ እናሓተቱ ይእስሩ ኣለዉ።

እቲ ናይዚ ቅንያትዚ ዝኸፍአ ኮይኑ ዘሎ ግና፡ ነቶም ካብ መንገዲን ካብ ስራሕን ካብ ቤቶም ከይተረፈ ዝገፈፍዎምን ዝቐየድዎምን፡ ኣብ ራምለ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ምስ ወሰድዎም፡ መግረፍትን ምቕጥቃጥን ድሕሪ ምክያድ፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክንከይድ ኢና ኢልኩም ፈርሙ እናበሉ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ስቅያት የውርዱሎም ከም ዘለዉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ይገልጹ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፡ ነዚ ሽግራት እዚ ክብድህ ዝኽእል ሓድሽ ኮሚተ ንምምራጽ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘለዉ ግዝያዊት ሽማግለ ትገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0