መንግስቲ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐ ዕጹው ዲፕሎማሲ ናብ ተነጽሎ ስለዘውደቆ፣ መዓጹታቱ ከርሑ ከምዝተገደደ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐ ዕጹው ዲፕሎማሲ ናብ ተነጽሎ ስለዘውደቆ፣ መዓጹታቱ ከርሑ ከምዝተገደደ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 March 2016

EU

መንግስቲ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣካይዳ ናብ ተነጽሎ ስለዘውደቖ፣ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ ይወስድ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ሓደ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ መንግስቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ዕጹው ዲፕሎማሲ ስለዘየርብሖ፣ መዓጹታቱ ንወጻእተኛታት ክኸፍት ተገዲዱ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱን ዑደት ከካይዱ ዕድመ ቀሪቡሎም ዘሎን ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት፣ ፖለቲከኛታትን ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ውድብታን ትካላትን’ውን መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ይንገር።

 

ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ምዝራግ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብትሪ ዝውቀስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ዝኽሰሰሉ ጉዳያት ንምፍታሕ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተበግሶታት ኣብ ክንዲ ዝወስድ፣ ዕጹው ዲፕሎማሲ’ዩ ክኽተል ጸኒሑ።

እዚ ን15 ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ዕጹው ዲፕሎማሲ ከኣ፣ ንኤርትራ ናብ ዞባውን ኣህጉራውያን ተነጽሎ ኣውዲቑዋ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ብባይቶ ጸጥታ ክልተ እዋን እገዳ ክንበረሉ እንከሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻሙ ከኣ ብመርትዖ ክርጋገጽን ክኢሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ናይቲ መንግስቲ ብገብን ኣንጻር ሰብኣውነት ንምኽሳሶም፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት መጽናዕታ ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ሰነ 2016 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እትቕርቦ ጸብጻብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናቱን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም እንተኣረጋጊጻ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክኽሰስ’ዩ።

ኣብዚ ናይ 25 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ ንሓያሎ ዜጋታት ኤርትራ ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ጌሩ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት እንተተኸሲሱ፣ በዚ ገበን እዚ ካብ ዝተኸሱ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ድሕሪ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ካልኣይ ክኸውን’ዩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳርፉር ፈጺምዎ ብዝተባህለ ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተኸሲሱ። ኣብ ዝተታሕዘሉ ከኣ ብግዴታ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0