መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሕ.ኤ. ሓገዝ ሓቲቱ

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከብ ወኪል እቲ ሕብረት ጽዑቕ ርክባት የካይድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
    ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ካብ 2009 ክሳብ 2013 ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣብ ውሕስነት መግብን ልምዓትን ዘተኮረ ናይ 122 ሚልዮን ዩሮ ፕሮጀክታት ከምዝመወለ ይፍለጥ።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ዝርርብ ነዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ  ዓመታት ክሳብ 300 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ይሓትት ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
    ኣቐዲሙ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መወልቲ ኣካላትን ናይ ኣስታት 188 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንምርካብ ዘኽእሎ ውጥን ብ28 ጥሪ ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።
    ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሓያሎ ሃገራት ኣብ ዝተረኽቡሉ ዝተኸተመ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል፣ ካብ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ከም ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ትካላት 50 ሚልዮን ዶላር ክስልዓ እቲ ዝተረፈ ኣስታት 138 ሚልዮን ዶላር ድማ ካብ መወልቲ ሃገራት ክእከብ ዝብል’ዩ።
    ኣብቲ ኣጋጣሚ ብሪጣንያ 15 ሚልዮን ፓውንድ ኢጣልያ ድማ ሓደ ሚልዮን ኤውሮ ክህባ ምዃነን ክመባጽዓ እንከለው፣ 27 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ዝኾነ መብጽዓ ኣይኣተወን።
    ይኹን’ምበር ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ሓደ ካብ ቀንዲ መወልቲ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።
    እዚ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሓገዝ ሕቶ ድማ፣ ነቲ ብዘይዝኾነ ናይ ግዳም ሓገዝ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ ገጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ብድሆታት ዘግህድ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይጠቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0