“መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ ምትእትታው ይፍጽም ምህላዉ ዘረጋገጽ መርትዖ የለን።” ተቖጻጻሪ ጉጅለ ው.ሕ.ሃ

“መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ ምትእትታው ይፍጽም ምህላዉ ዘረጋገጽ መርትዖ የለን።” ተቖጻጻሪ ጉጅለ ው.ሕ.ሃ

Radio Erena: 17 October, 2014

UN

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሶማል፣ ወትሃደራዊ ምትእትታው ከምዝፈጸመ ዘረጋግጽ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ንጉዳይ ሶማልን ኤርትራን ክቖጻጸር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ጸብጻቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ ምትእትታው ይፍጽም ከምዘሎ ዘረጋግጽ ዝኾነ ምርትዖ ከምዘይረኸበ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ መንግስቲ ንሶማላውያን ጉጅለታት ናይ ምሕጋዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣነፊቱ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ጸብጻቡ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ደኡብ ሱዳን ምትእትታው ይፍም ኣሎ ዝብል ክሲ ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዝቐረበለ ኣመልኪቱ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ሬክ ማሻር ዝርከብዎም ሰለስተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝገበረ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እኳ እንተኸሰሰ፣ መርትዖ ከቕርብ ከምዘይክኣለ ግና ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሶማላውያን ጉጅለታት ብምሕጋዙን ምስ ጅቡቲ ንዝነበረ ምስሕሓብ ከኣ ብሰለማዊ መንግዲ ንምፍትሑ ብምሕንጋዱን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክልተ እዋን እገዳ ከምዘንበረሉ ዝፍለጥ’ዩ።

ብመሰረት እዚ ሕጂ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ ምትእትታው ይፍም ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ስለዘይተረኽበን፣ ምስ ጅቡቲ ዝነበረ ምስሕሓብ ከኣ ብመንጎኝነት ቐጠር ኣብ ኣብ ስምምዕ ስለዝተበጽሐን፣ እቲ ዝነተንረሉ እገዳታት ክልዓለሉ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድ ትጽቢት ይንበረሉ።

==========================================

ርእይቶ

WORDPRESS: 0