መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ መሰላት ዝገብሮ ምፍርራህ ደው ከብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

Radio Erena: 28 June 2019

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታቱ ናይ ጸቕጥን ምፍርራህን ተግባራቱ ብሰፊሑ ከካዪድ ጸኒሑ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት ብሓሙስ 27 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ብርከባ ኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ዝነቕፍዎን፣ ብቃልዕ ዝቃወምዎን ዝገብሮ ምጉብዕባዕን ምፍርራህን ክቕጽል ከምዘይብሉ ብምዝኽኻር፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ከኣ፣ ዝወርዶም ዘሎ ክሳብ ናይ ሞት ዝበጽሕ ናይ ምፍርራህ መልእኽቲ ብትሪ ኮኒኑ።

እቲ ካብ 2011 ክሳብ ግንቦት 2019 ዓመተ ምህረት ዘሎ ግዜ ዝሸፈነ ጸብጻብ፣ ሰበስልጣን ኤርትራ በቶም ኣብ ወጻኢ ዝዓበዩ ብያንግ ፒ.ኤፍ.ዲ.ጀይ. ዝብል ስም ተጠርኒፎም ዘለዉ መንእሰያት ኣቢሉ ንሰብኣዊ መሰል ዝጥሕስ ተግባራት ከምዝፍጽም፣ ምስ መርትዖታት ኣሰንዩ ኣቕሪቡዎ’ሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብተወሳኺ፣ ናይ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስልቀል፣ ኣምባሳደራት ኤርትራ ኣብ ጃፓንን ኬንያን፣ ናይ ማሕበራዊ ሜድያታት መልእኽታቶም ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ብደገፍቲ’ቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ዝግበር መጥቃዕቲ ዝድግፍ ጽሑፋቶም ከም መርትዖ ሒዙዎ ከምዘሎ የነጽር።

እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኤርትራ ብኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ነቐፍቱ ዝገብሮ ምጉብዕባዕን ጸቕጥን ክቕጽሎ ክፍቀደሉ የብሉን ክብል ለበዋ ኣሕሊፉ።

ኤርትራ መበል 47 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ምዃና መጠን፣ ንሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን፣ ምስቲ ባይቶ ምሉእ ምትሕብባር ምግባርን ዝኣመሰሉ ግዴታታት ስለዘለዋ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዶባታ ንዝፍጸም ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ደው ከተብል ዝጽውዑ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብተደጋጋሚ ጥርዓኖም ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0