መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት እሱራት ክፈትሕ’የ ዝብል ወረ የናፍስ ኣሎ ተባሂሉ

መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት እሱራት ክፈትሕ’የ ዝብል ወረ የናፍስ ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: May 20, 2014

Er realease prisoners

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኣብዚ ክልተ መዓልታት እሱራት ክፈትሕ’ዩ ዝብል ወረ የናፍስ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ሕጂ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምብላ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኦኣመት ዝደጋገም ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝእሰሩ ክውስኽ እንተዘይኮይኑ፣ እሱራት ክፈትሕ ልምዲ የብሉን።

 

ኣብ ከረን ካብ 2006 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ዶክተር ዑመረዲን ኢብራሂም፣ ዘርኡ ብኢዱ፣ ዶክተር ዓብደላ ጅምዕን ኣቡበከር በሪኽን ዝርከብዎም ሸሞንተ ኤርትራውያን ከምዝተፈትሑ ድሕሪ ምቅልሑ፣ ጎኒ ጎኑ መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት እሱራት ክፈትሕ ጀሚሩ ዝብል ወረ ክጋዋሕ ይስማዕ ከምዘሎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብን ካልእ ምስኡ ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣስታት 10 ሽሕ እሱራት ከምዘለዉ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0