መንግስቲ ኤርትራ ሶማላውያን ናይ ጸጥታ ሰራዊት ከሰልጥን ሓሳብ ቀሪቡ

Radio Erena: 12 January 2020

መንግስቲ ኤርትራ ሶማላውያን ናይ ጸጥታ ሰራዊት ከሰልጥን ሓሳብ ቀሪቡ፣ ክብላ ማዕከናት ዜና ሶማል ሓቢረን።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ካብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ኤርትራ ኣብ ሶማል ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ጸጥታ ዘኽብሩ ኣባላት ሰራዊት ከተሰልጥን ዝብል ጉዳይ ከምዝርከቦ እተን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ነቲ ዘተ ብዝምልከት ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ፣ ንክልቲኤን ሃገራትን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከት ዝምድናን ምትሕብባርን ከምዝተዘራረቡ፣ እምበር ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተዋህቦን።

ከምዝዝከር ሶማል፣ ኤርትራ ንጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ስልጠናን ወተሃደራዊ ደገፍን ትህብ ኣላ ኢላ ብምኽሳስ ክሳብ ናብ ማዕቀብ ዝኸደ ስጉምቲ ብባይቶ ጸጥታ ከምዝውሰዳ ገይራ እያ።

ኣብዚ ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝሕደስ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ሶማልን ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ መርገጺኡ ብምቕያር ካብ ኣልሸባብ ክወርድ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብምባል ሰራዊት ከሰልጥን እዩ ክብላ’የን ማዕከናት ዜና ሶማል ዝገልጻ።

ኤርትራ ኣባል’ቲ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይኮነትን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0