“መንግስቲ ኤርትራ፣ ጽገናዊ ለውጥታት ንምትግባር ቅሩብ ኣይኮነን።” ጀርመን

Radio Erena: 09 May 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ጽገናዊ ለውጥታት ንምትግባር ቅሩብ ከምዘይኮነ፣ ንጸብጻብ ባይቶ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምጥቃስ፣ ብ8 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣፍሊጡ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመርኦ ርክብ፣ ኣብ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና፣ ዝኾነ ናይ ለውጢ ኣንፈታት ከምዘይተራእየ ኣመልኪቱ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ “ኣብ ኤርትራ መሰል ደቂሰባት ይግሃስ፣ መሰረታዊ መሰላት እምነትን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ኣይክበርን፣ ዜጋታት ኣብ ዝመረጽዎ ሞያ ክነጥፉ ኣይፈቅድን” ክብል ደምዲሙ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንምዝፍጸሞ መሰረታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ካብ ኢትዮጵያ ኣሎ ንዝብሎ ስግኣትን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብምትሕሓዝ ይገልጾ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ምጅማሩ’ውን፣ ኣብ ምኽባር መሰል ዜጋታት ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዓውታ ዝገልጾ ዘሎ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Daniel 5 years ago

    Birgix mesel deki sebat aytekibiri eya tiray zeykone gihset alo misieu

  • comment-avatar

    መንግሰቲ ኤርትራ ካብማዓስ ሰብኣዊ መሰል ምስኣኽበረ ክኽበር ንጽበዮ ክኽበር ኢልካ ምጽባይ ድማ ካብ ማይ ጨባሰ ጸባ ምጽባይ ኢዩ ነገሩ።

  • comment-avatar
    Tewelde 5 years ago

    Puppet
    Eritra Selamawit eya. German Kia natna aymlketomn eyu.