መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጹ ዜጋታት ካብ ባንክ ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ከውጽኡ ፈቒዱ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጹ ዜጋታት ካብ ባንክ ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ከውጽኡ ፈቒዱ

Radio Erena: 10 February 2016

ban

መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ ምቕያር ናቕፋ ካብ ባንክ ገንዘብ ንዘውጽኡ ኤርትራውያን ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ኣውሪድዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጹ ግና ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ከውጽኡ ከምዝፈቐደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ ፍኑይ ምንቕስቓስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገበሮ ናይ ባጤራ ምቕያር መስርሕ፣ ህዝቢ ናብ ባንክታት ካብ ዘረከቦ ብዝሒ ገንዘብ 10 ናቕፋ ጥራይ ከምዝቕየረሉን፣ እቲ ዝተረፈ ግና ኣብ ባንክ ክተሓዝ ምዃኑን እኳ እንተነበረ ኣብ ግብሪ ግና 5 ሽሕ ናቕፋ ጥራይ ከውጽእ’ዩ ፈቒዱ። 

ንውራይን ካልእ ኣጋጣሚታትን ካብ 10 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ንዘድልዮም ከኣ ብምምሕዳርን ምሰኻኽርን ብምርግጋጽ፣ ካብ ባንክ ከአጽኡ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ምሕባሩ ይፍለጥ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ እቲ መንግስቲ፣ ካብ ወጻኢ ንመመጹ ዜጋታት ክሳብ 25 ሽሕ ናቕፋ ከውጽኡ ከምዝፈቐደ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ’ቲ ተሸካሚ ኩሉ ጸገማት ኮይኑ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝብን ካብ ወጺኢ ሃገራት ንዝመጹ ደገፍቱን ከምዚ ዓይነት ዓየንት ኣፈላላይ ምግባሩ ከኣ ኣብ ህዝቢ ናይ ቁጠዐ ስምዒታት ፈጢሩ ምህላዉ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቱ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፣ ናይ ነዳዲ ጋዝን፣ መሻርፍን ካልእን ሓለፋታት ከምዝገብረሎም ዝፍለጥ’ዩ።

ድሕሪ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፣ መንንግስቲ ንዝበዝሐ ናይ ወረቐት ባጤራ ከንቀሳቐስ ኣብ ባንክታት ሒዝዎም ብምህላዉ ኣብ ዕዳጋ ርኡይ ዋሕዲ ዝንቀሳቐስ ባጤራ ኣጋጢሙ ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ከም ውጽኢቱ ከኣ፣ ኣብ ምዕዳግን ምሻጥን ምዝንባዕ ስለዝተራእየ፣ ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ዕዳጋ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝነበሮ ብኣስታት ፍርቂ ጎዲሉ ይርከብ።

ብጸሊም ዕዳጋ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ዝነበረ ሓዋላ ናይ ወጻኢ ሸርፊ’ውን ብተመሳሳሊ ብኣስታት ፍርቂ ጎዲሉ ኣሎ።

ምስዚ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ተኣሳሲሩ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይቲን ተኻረይትን ናይ ኣከፋፋል ምስሕሓብ ይርአ ከምዘሎ ዝሓበሩ ካልኦት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ከኣ፣ ክፍሊት ካብ ብቀጥታ ናብ ኣካረቲ ዝኽፈል ብመንገዲ ባንክታት ወይ ከኣ ምምሕዳራት ንምግባሩ ፈተነታት ይካየድ ከምዘሎ ጠቒሶም።

ደረቱ ዝሓለፎ ናህሪ ዋጋታት ክራይ ኣባይቲ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ህዝቢ ምዃኑ እናሻዕ ዝግለጽ’ዩ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0