መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዝሓከሉ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ናብ ስምምዕ ሰላም ክጽንበሩ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ክሳተፍ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 October 2022

ኤርትራ፣ ሓኪሎም ኣለዎ ንዝተባህሉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ስምምዕ ሰላም ክጽንበሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ክትሳተፍ ምዃና ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ደን ዷ ማለክ፣ ብ26 መስከረም ምስ መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ኣብ ኒውዮርክ ብምርኻብ፣ ኣብ ስምምዕ ሰላም ዘይተሓቖፉ ተቓወምቲ ዝጽንበርሉ መስርሕ ብዝምልከት ኣብ ዝተመያየጠሉ እዋን’ዩ ተራ ኤርትራ ተላዒሉ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣብቲ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኣብ ተኽእሎ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ፣ ከምኡ ድማ ኣበርክቶ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ተመያይጡ።

ብምክትል ፕረዚደንት፣ ሑሰን ዓብደላ ባጊ ኣኮል ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ፣ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ወኪል ኤርትራ ብምርኻብ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ከምዝተዘራረበ እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲትንን መንግስቱን፣ ሓኪሎም ዘለዉ መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ስምምዕ ሰላም ንኽጽንበሩ፣ ኣበርክቶ ኤርትራን ሱዳንን ልዑል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ‘ውን ሓቢሩ።

ብጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ጀነራል ፖል ማሎንግን፣ ከምኡ ድማ ብዋና ጸሓፊ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ደቡብ ሱዳን ነበር፣ ፓጋን ኣሙምን ዝምርሑ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተቓወምቲ፣ ኣብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ካብ ምንጽንባር ሓኪሎም ከምዘለዉ ‘ዩ ዝግለጽ።

ስእሊ፦ ሻባይት.ኮም

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0