መንግስቲ ኤርትራ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣዕቁብዎም ዝጸንሐ ሶማላውያን ስደተኛታት ክወጹ ኣዚዙ

Radio Erena: 03 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣምኢት ሶማላውያን ተዓቝቦምሉ ዝጸንሑ መዓስከር ስደተኛታት ኡምኩሉ ከይዓጽዎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

UNHCR ነዚ ምሕጽንታ ዘቕረበ፣ ሎሚ ሮቡዕ 3 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ መዓስከር ንዝጸንሑ ሶማላውያን ክእለዩ ድሕሪ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ’ዩ።

ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ 10 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ኡምኩሉ፣ 2100 ሶማላውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ሶማላውያን ክወጹ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ኣብዚ ሒደት ሰሙናት ልዕሊ 1300 ካብኣቶም ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰጊሮም ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለው መግለጺ እቲ ኣህጉራዊ ትካል የመልክት።

ነቶም ካብ ኤርትራ ናብ ክልል ትግራይ ሰጊሮም ዘለው ሶማላውያን ኣብ ደቡብዊ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ መዓስከር መልካዲዳ ንምስግጋሮም መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ልዕሊ 270 ሽሕ ሶማልውያን ስደተኛታት ኣዕቍባ ከምዘላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣዕቑብዎም ዝጸንሐ ኣስታት 2 ሽሕ ሶማላውያን ብዘይዝኾነ ቅድመ ምድላዋት ክወጹ ምእዛዙ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑ፣ ዳይረክተር ዞባዊ ወኪል UNHCR ራውፍ ማውዝ ኣገንዚቡ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝኾነ መግለጺ ዘይሃበ እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ሶማላውያን ስደተኛታት ክወጹ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ስእሊ፣- መዓስከር ስደተኛታት ኡምኩሉ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0