“መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ’ዩ። ” ቀ/ሚ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 28 July 2020

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዝኾነ ዓለም፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሰላምን ልምዓትን ከምዝሰርሕ ዝተፈልጠ’ዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ንዝሃቦ መግለጺ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓዊሞሞ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ምስ ቴሌቪዥን ፋና፣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መጠይቅ፣ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይን ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ንመንእሰያቱ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ዝጸመደ፣ ብዘይሕግን ፍትሕን ኣሽሓት ዜጋታት ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዘብለየ፣ ምርጫ ይኹን ተስፋ ደሞክራሲ ዘይብሉ ናይ ሓደ ሰብ ትካልን፣ ብብዝሒ ስደት ዜጋታቱ ዓለም ዘዛረበን መንግስቲ፣ ከም ናይ ሰላም ሓይሊ ክግለጽ ብዓይኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጥራይ’ዩ ክብሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

“ሰላም ኣብ ቤትካ’ዩ ዝጅምር” ዝበሉ ካልኦት ድማ፣ ኣብ ቤቱ ሰላም ዘይብሉ፣ ንዜጋታቱ ብምልኪን ራዕድን፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝገዝአ መንግስቲ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ ክብሃል፣ ዘስደምም ምዃኑ ጠቒሶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ድሌቱ ራህዋን ሰላም ጎረቤት ህዝቢ ህዝቢ ኤርትራ ክርኢ ዘይኮነ፣ ንፕርዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምሕጓስ፣ ግዜያዊ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ ንምኽሳብ ጥራይ ይጽዕር ከምዘሎ ዘጉልሐ መግለጺ ምዃኑ ዘመልከቱ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ልዕሊ 120 ሽሕ ኤርትራዉን ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ እናፈለጠ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ ካብ ዝኾነ መንግስቲ፣ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝቢ ስለምንታይ ተሰዲዱ? ክምልሶ ዝግባእ ሓቂ ምንባሩ’ውን የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 5
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ደኣ መዓስ ዶ/ር ኣቢይ ጥራይ ኮይኑ ፈሊጥዎ ዘሎ። እዚ ኹሉ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓመታት ገጸን ጠውየን ብትእዛዝ ኣሜሪካ ይምርሓን፡ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ክፋእ ናብ ህዝብን መንግስትን ዝኽዕውኦ ዝነበራ ክፋእ፡ ሎሚ ነገር ተገላቢጡ፡ ኣብ ጸጥታ፡ ኣብ ሕርሻ፡ ኣብ ህንጸት ዓበይቲ ጽርግያታት፡ ኣብ ጥዕናዊ ንጥፈታት….. ኮታ ኣብ ኩሉ ብሚልዮናት ዶላራትን ዩሮን ዶ ኣይኮነን ክልግስ ዝጓየዩ ዘሎ።
    ድሓር ድማ፡ “ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓዊሞሞ” ትብሉናስ፡ ነዞም ትፍኦም ዘይኮነስ፡ ትፋእ ወያነ ዘልምጹ ቁንጣሮ ከምዚ ከማኹም ድዮም። ደም ደኣ ይጥዓምኩም እምበር፡ ኣብ’ዘን ዝመጻ 6 ኣዋርሕ ጉዳይ ወያነ ኣብቂዑ፡ ኤርትራ ኣብ መስመር ምዕባለ ስጉምታ ከተማዕብል ምስጀመረት መልሓስኩም ክልሎ ክንርእዮ ኢና።

    • comment-avatar
      ተስፉ ሃይለ 4 years ago

      ኣቢይ ኣሕመድ ውጽእ ሓሶት ተዛሪቡ ፡ ሓላፍነት ዝጎዶሎ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትጽበዮ ። እዚ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ጽቡቕ ገይሮም ትዕዝብቲ ኪወስድሉ ይግባእ ከይጎበዘ ኪቑጸ ዘለዎ ሰብ ኢዩ። እቲ ኣዚዩ ዘገርም ንሓደ ውልቀ መላኺ ከሓጉስ ኪብል ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ዘቖጥዕ ምዝራቡ እዚ ድማ መረኣያ ጸረ ህዝብን ጽረ ደሞክራስን ምዃኑ ብሩህ ምስክር ኢዩ። ውጺት ስራሑ ድማ ኣብ ባይታ ይርኣ ኣሎ፡ኢትዮጵያ ሎሚ ፈጺማ ተበቲና ኪትዕረ ከምዘይትኽእል ኮይና ትርከብ ።እዞም ክልተ ጸረ ሰላም መራሕቲ ኣርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓጸረ ጊዝየ እንተዘይጠፊኦም ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ኪርከብ ኢዩ ኢልካ ኣይሕሰብን ።

  • comment-avatar
    Gezae 4 years ago

    Yes Eritrea, the Eritrean people, and Eritrean government are the power of peace inside. So, abroad we need a Peace Movements for Eritrea, Ethiopia, and the horn.

    We need to do wise and effective things now to keep us from illusion being just at war with ourselves and neighbors.

    We need to avoid going down the paths into ugly, evil, dysfunctional, damaging, and dangerous instinctive hate group/s mentalities and behaviors that will lure us far too easily into highly seductive pathways.
    Thus, we need to understand those major and very real risks and influences.

    And we need to do that work together to rise above those damaging behaviors to bring more Peace and reconciliation to Eritrea.

    Sure

    currently we are dangerously divided in increasingly dysfunctional, angry, and damaging ways. The so called Eritrean news media are examples of how divided we are at many levels.

    We need people of good will, good hearts, and good heads to do enlightened things in aligned and intentional ways in order to create the future of inclusion, safety, security, good health, and prosperity that we all want for our children and our grandchildren’s children.

  • comment-avatar

    ኣብ እህህታን መካራን ግዳይ ሓዘንን መልቅሶን ዝከዉን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራስ ብከመይ ኣቢሉ’ዩ ናይ ሰላም ሰብ ተባሂሉ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጸማም’ውን ተረዲኡ”ዝስ ምፈረዶ የግዳ ኣፍካ’ያ ደስ ዝብለካ ክትብል’ውን መሰልካ’ያ። እንታይ ክንብል ኢልና መስጣና ከኣ ይውርደካ’ታ ሰላም ትብላ ዘልካስ’ንታይ ምኳና ምተሰወጠትካ። ወደሓንኩም ኣጆኹም መሳድድተይ ብኡነት ሓዚነ

  • comment-avatar
    Yonas 4 years ago

    His aim was for sure is to drive a wedge between the people of Tigray and TPLF, and I say good luck with that, however, on the question of whether he was preparing to attack the Tigrai Kilil militarily, either he was lying, meaning, he is saying something but will do another in the near future, or simply his message was actually directed at Isaias, especially when he called Isaias a man of peace.

    Could it be in his recent trip to Eritrea Isaias might have hinted or implied to Abiy about his plan to invade Tigray, and “humiliate” TPLF, and for that Abiy could be responding to Isaias by saying loudly that he does not want to be dragged into his war of adventure to attack one of Ethiopian regions. Surely, if Abey allies with a foreign nation to attack his own people, he could be tried for treason, which in many countries is punishable by death. So he could be saying I don’t want to go to war, neither should you Isaias, “man of peace”.