መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፈር ጠቕሊሎም ወጺኦም ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፤ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ

Radio Erena: 01 May 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፈር ጠቕሊሎም ወጺኦም ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፤ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ፤ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ክልል ከምዝሰሓቡ ብመንገዲ ወሃብ ቃል ኣቢሎም ድሕሪ ዝሃብዎ መግለጺ ምላሽ ከይሃበሉ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ብዓርቢ 29 ሚያዝያ ነዚ ናይ ኣሉታ ምላሽ ዝህበሉ ዘሎ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ሓይልታት ትግራይ ካብ ሰለስተ ከተማታት እኳ እንተወጹ፤ ሰለስተ ካልኦት ከተማታት ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘለዋ ገሊጹ።

እቲ ቀንዲ ንኢትዮጵያ ምስ ወደባት ዘራኽብ መስመር ዝርከቦ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝርከብ ከባቢታት፤ ረዲኤት ብግቡእ ንኸይባጻሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ክብል እዩ እቲ ወሃብ ቃል ዝኸስስ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ረዲኤት ናብ መላእ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ክባጻሕ ንዝኣተዎ መብጽዓ ጠሊሙ ተባሂሉ ንዝቐርብ ክሲ፤ እቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፤ ዝተወፈየ ረዲኤትን ውሕስነት መተሓላለፊ መስመራትን ንዝርጋሐ’ቲ ረዲኤት ይቕይዶ እዩ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ረዲኤትን መድሃኒትን ናብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ከይባጻሕ ኮነ ኢሉ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ጸኒሑ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0