መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍቓድ ዳህሳስ ነዳዲ ኩባንያ ዕደና ቻይና ሰሪዙ

Radio Erena: 22 September 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል፣ ዞባ ኦጋዴን፣ ዳህሳስ ነዳዲ ናይ ዘካይድ ዝነበረ ኩባንያ ዕደና ቻይና ፍቃድ ሰሪዙ።

መርበባት ዜና እታ ሃገር፣ ንሚኒስተር ማዕድን፣ ኣቶ ታከለ ኡማ ብምጥቃስ፣ ብ21 መስከረም ብዘቕረብኦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ፖሊጂሲኤል ዝተባህለ ናይ ቻይና ኩባንያ፣ ኣብቲ ክልል፣ ኣብ ዕደና ጋዝን ነዳዲን ዘካይዶ ዘሎ ዳህሳስን ዕደና ከቐላጥፍ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ከተግብር ብዘይምኽኣሉ’ዩ ውዕሉ ተሰሪዙ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቦታት እታ ሃገር፣ ዳህሳስን ኩዕታን ነዳዲን ጋዝን ዝርከቦ ማዕድናት ከካይዳ ዝጸንሓ፣ ኣስታት 900 ናይ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ኩባንያታት ፍቓድ ምስራዙ ኣብ ወርሒ ሰነ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ካብቶም ፍቓድ ዕደና ዝተሰረዞም ኩባንያታት፣ ናይ ቻይና ኩባንያ ፖሊጂሲኤልን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ከፊ ጎልድን ምዃኖም’ውን ተጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ማዕድናት ክነጥፋ ዝጸንሐ 591ናይ ውሽጢ ሃገር ትካላት ‘ውን ብተመሳሳሊ ፍቓድን ከምዝተሰረዘ’ዩ ተሓቢሩ።

እዘን ኩባንያታት፣ ዛጊት ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ከቕርባ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣለን፣ ምድንጓየትን ዕንቅፋታትን የርእያ ከምዘለዋ ብምውቃስ’ዩ መንግስቲ ፍቓድ ሰሪዙ።

ብፍላይ ነዳዲን ጋዝን ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ቻይና ኩባንያ ፖሊጂሲኤል፣ ንጥፈታቱ ከቐላጥፍ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ 2018 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ‘ኣብዚ ቀረባ ነዳዲ ከነውጽእ ኢና’ ክብል ከምዝገለጸ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0