መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ-ሸኔ፣ ብቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ተሓታቲ’ዩ ኢሉ

Radio Erena: 12 July 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ-ሸኔ፣ ብቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ተሓታቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣኽባር ሕጊ’ታ ሃገር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ክልተ ካብቶም ቀተልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ዝተረፉ ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ከኣ ገና ህይደኑ ከምዘለዉ ገሊጻ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ-ሸኔ ከምዝዓሰቦም ዝገለጸት ኣኽባር ሕጊ ኣዳነች ኣቤቤ ደሳ፣ እቶም ጥርጡራት ድሮ ቃሎም ሂቦም ከምዘለዉ ኣመልኪታ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ገበን ብቐጥታን ብተዛዋዋርን ዝተሳተፉ ኩሎም ክህደኑ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፣ ዕላማት’ቲ ፍጻሜ፣ ሕንፍሽፍሽ ብምፍጣር ስልጣን ንምጭባጥ ከምዝነበረ ገሊጻ።

ከምዝዝከር፣ ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ፍጻሜ ኢድ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣለዎ ክብል እዩ ገሊጹዎ ኔሩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ውልቀሰባት፣ ዛጊት ወግዓዊ ክሲ ኣይተመስረተሎምን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0