መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዝጸንሑ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 February 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዝጸንሑ መዓስራት ሽመልባን ሕጻጽን ክዓጽዎ ከምዝወሰነ፣ ሓላፊ ክፍሊ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ARRA)፣ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሉጹ።

ንሱ፣ ሎሚ 9 ለካቲት፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መዓስከር ሽመልባ ክዕጾ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ካብ ዶብ 20 ኪሎሜተር ጥራይ ዝረሓቐ ብምዃኑ፣ ንድሕነት ስደተኛታት ተባሂሉ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተደንገገ፣ ሓደ መዓስከር ካብ ዶብ 50 ኪሎሜተር ክርሕቕ ኣለዎ ንዝብል ሕጊ ዝጥሕስ ብምዃኑ ኣረዲኡ።

መዓስከር ሕጻጽ ድማ፣ ስደተኛታት ክነብርሉ ኣብ ዘይምችእ በረካ ስለዝተደኮነ፣ ቅድሚ ዓመት ክዕጾ ከምዝተወሰነ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋሁን፣ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ክዕንቅፎ ከምዝጸንሐ ኣስሚርሉ።

ኣብዚ ክልተ መዓስከራት ዝነበሩ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፣ ሃለዋቶም ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ’ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን፣ ኮነ ተባሂሉ ከምዝዓነወን ትካላቱ ከምዝተቓጸለን ናይ ሳትላይት ስእልታት ዘነጽር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Ghebre Michael 3 years ago

    Btaemi zehzn agatami eyu entay ykun eti hzbi ke?