መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዋጋ ነዳዲ እንደገና ናይ 20% ወሰኽ ጌሩ

Radio Erena: 03 October 2022

ቁጠባዊ ቅልውላው ምጽዋር ስኢኑ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ሕጂ’ውን ናይ 20% ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዋጋ ናይቲ ብድጎማ ዘእትዎ ነዳዲ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት በብእዋኑ ወሰኽ ዋጋታት ክገብር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተሚንዎ ዘሎ መሰረት ድማ ቤንዚኒን ናፍታን ካብ ዝነበሮ ናይ 47 ከምኡ ድማ 49 ብር ዋጋታት ብቅደም ተኸተክ ናብ 57 ከምኡ ድማ 59 ብር ኣዕሪግዎ ኣሎ።

ድጎማ እንተዘይህሉ ዋጋታት ቤንዚኒን ናፍታን ናብ ልዕሊ 66 ብር ከምኡ ድማ ልዕሊ 81 ብር ክብ ምበለ ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዕዳጋታትን ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር እናተኸታተለ ምቅይያራት ከምዝገብር’ዩ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፣ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ ክትገብር ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ንኻልኣይ እዋና’ዩ።
ቁጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር እናበኣሰ ብምምጽኡ፣ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፣ መጠን ዝቕባበ 35%’ዩ በጺሒ።

ኣብታ ሃገር፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ክሊ 53 ብር ይሽረፍ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ካብ 75 ክሳብ 85 ብር ዝሽረፈሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣውራ ጠንቂ ምንቁልቋል ቁጠባ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ምስኡ ተተሓሒዙ ተነቢሩ ዘሎ እገዳታታን ምዃኑ ይትንተን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0