መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ሰለስተ ቆልዑ ከምዝቐተለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 20 October 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰኑይ 18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከባቢ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ሰለስተ ቆልዑ ከምዝተቐትሉን ሓደ ድማ ከምዝቖሰለን፣ ንሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና ብምጥቃስ፣ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት፣ የንስ ላረክ ገሊጹ።

ኣብቲ ዕለት እቲ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ድማ፣ ትሽዓተ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ኣብ ሓደ መንበሪ ኣባይትን ሓደ ሆቴልን ዕንወት ከምዝበጽሐ እቲ ኣፈኛ፣ ብሰሉስ 19 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ መቐለ ንዝርከብ ማእከል መራኸቢታት ንምጥቃዕ ነቲ ደብዳብ ከምዘካየዳ ንወትሃደራውያን ወገናት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ጠቒሰን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0