መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ምክያዱ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኮኒኖም

Radio Erena: 25 June 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብ22 ሰነ፣ ቶጎጋ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ፣ ሰለማውያን ሰባት ምቕታሉ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኮኒኖም።

በቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ’ዩ ተኻይዱ ዝተባህለ ደብዳብ፣ ብውህዱ 60 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣህጉራውያን ትካላት ገሊጸን።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ በቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸም መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፣ ምጽራይ ክግበረሉን ተግበርቱ ድማ ናብ ሕጊ ክቕርቡን ብምጽዋዕ ነቲ ደብዳብ ኮኒኑ።

ግዳያት ‘ቲ ደብዳብ ዝኾኑ ሰለማውያን ሰባት ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ጸዊዑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ብምርግጋጽ፣ ንሓይልታት ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ጠቒሱ።

እቲ ስርሒት ዕዉት ኔሩ ዝበለ ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ንምዝካር ንዝተኣኻኸቡ ሓይልታት ትግራይ ከምዝደምሰሰ ገለጹ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕነ ሕነ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ግንባራት ዝወረዶ ሰፍ ዘይብል ስዕረት፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ደብዳብ ብምክያድ፣ ታሪኽ ህልቂት ሓውዜን ከምዝደገመ ይኸሱ።

እቶም ሓይልታት፣ ሓንቲ C-130 ዝዓነታ ወትሃደራውያን ናይ ጽዕነት ነፋሪት ወቒዖም ከምዘውደቑ’ውን ይገልጹ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0