“መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህዝቢ ምስ ዘይወከለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕ ውሕስነት የብሉን፣” ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ

“መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህዝቢ ምስ ዘይወከለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕ ውሕስነት የብሉን፣” ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ትካላዊ ኣቃውማ መንግስቲ ምስ ዘይብሉን ብህዝቢ ምስ ዘይተመርጸን ንህዝቢ ምስ ዘይወከለን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዓት፣ ንመጻኢ ውሕስነት ከምይህልዎ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ለውጢን ዝተወስደ ናይ ሰላም ተበግሶን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ብወገን ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ግና፣ ንህዝብን ትካላቱን ዘይሕውስ እንተኾይኑ ውሕስነት ክህልዎ ከምዘይክልእ ኣስሚርሉ።

ናብ ዞባው ውህደት ዘንቀደ ተበግሶ ክህሉ እንተኾይኑ’ውን ንህዝብን ትካላትን ከሳተፍ ከምዘለዎ ደጉሙ ብምዝኽካር፣ እዚ ብወገን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ግና “ናይ ሓደ ሰብ ጥራይ ይመስል” ክብል ጠቒሱ።

ዞባዊ ምውህሃድ፣ ውሳኔ ናይ ማዕረ ሉኣላውያን ሃገራት ኮይኑ፣ ኣብዚ’ውን ጉዳይ ሉኣላውነት ይኹን ምውህሃድ ንህዝቢ ዝምልከት ደኣ ‘ምበር፣ ሰለስተ መራሕቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ተራኺቦም ዝውድእዎ ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ዝነበረ ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ ስርዓት ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ካልእን ጽፍሕታት ናይቲ ኣህጉራዊ ውድብን ዘገልገለ’ ኤርትራዊ’ዩ።

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ፣ ምስ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ዝተኻየደ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ዞባዊ ጉዳይን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ቀዳም 30 መጋቢት፣ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና፣ መደብ ክፉት፣ ከነቕርበልኩም ምዃና ኣቐዲምና ንሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0