መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ብምፍቃዱ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊጹ

Radio Erena: 27 March 2022

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ኢሉ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ብምፍቃዱ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ መግለጺኡ፣ ኲናት ደው ምባብል ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ትግራይ ከም ባንክ፣ ኤለክትሪሲቲ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ግቡእ ስርሖም ክጅምሩ ዳግማይ ጸዊዑ።
በይናዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ ማለት ኢጋድ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ብሓሙስ 24 መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ንዝሰፍሐ ዘተ ሰላምን፣ በቲ ኲናት ንዝተሃስየ ህዝብን ቁጠባን ንምሕዋይ መድረኽ ዝኸፍት ክኸውንን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ህወሓት ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ተቐቢሉዎ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተረከቦ መግለጺ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ እዋኑ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ክሳብ ዝጀመረ፣ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ከኽብሮ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዘይጭበጥ መብጽዓታት ካብ ምእታው፣ ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ብናጽነት ክኣቱ ባይታ ከጣጥሕ ይግበኦ’ ክብሉ ሰበስልጣን ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።
ዛጊት፣ ተመሳሳሊ ናይ ሓጎስ መግለጺን ምሕጽንታን፣ ካብ ሕቡራ መንግስታት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ቻይናን ሕብረት ኣፍሪቃን ቀሪቡ ኣሎ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0