መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰበ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝበሩ ተጋሩ ኣሲሩ

Radio Erena: 21 March 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንክልል ትግራይ ተቖጻጺርሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ብግዝያውነት ሸይምዎም ንዝነበረ ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ዝኾኑ ተጋሩ ከምዝኣሰሮም፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ።

ዛጊት ሸሞንተ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ነበር ከምዝተኣስሩ ንሮይተርስ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፣ ገሊኦም ናብ ክልል ዓፈር ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተሰጋገሩ ኣመልኪቱ።

እቶም መንግስቲ ባዕሉ ኣብ ዝቖሞ ግዝያዉ ምምሕዳር ትግራይ ተሸይሞም ዝነበሩ ተጋሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ዒላማ ዝገበረ ምእሳርን ካብ ስራሕ ናይ ምስጓግን ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ፣ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ልዕሊ ዝርከቦም መራሕቲ ህወሓትን ክልል ትግራይን ዝተመስረተ ክሲ ብምስራዝ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝሓዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበር ድማ ብምሕረት ከምዝፈትሐን ይዝከር።

እቲ ስጉምቲ፣ ብዝተፈጥረ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ዝተወስደ ውሳኔ ምዃኑ ዘመልክቱ ተዓዘብቲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተወላዶ ትግራይ ናይ ምንጻል መስርሕ ግና ይቅጽሎ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0