መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘተ ሰላም ክጅምር፣ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ከቢድ ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 17 August 2021
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘተ ሰላም ክጅምር፣ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ከቢድ ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጹ።
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓድ-ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ብዲፕሎማስያዊ ኣስገዳድን ናይ ሜድያ ጎስጓሳትን ‘’ኢዱ ንምጥዋይ’’ ዝበሎ፣ ዝገብርኦ ዘለዋ ዘመተ፣ ህዝቢ ብሓባር ክምክቶ ጸዊዑ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸቕጢ ዝገብራሉ ዘለዋ ሃገራት ብስም እኳ እንተዘይጠቐሰን፣ ንዘቕረባሉ እማመ ብዘይምቕባሉ ግና ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዝጸንሕ ስምብራት ከምዝገድፍ ሓቢሩ።
‘ከይፈተና ሕራይ ብዘይምባልና ንዝመጽእ ኣሉታዊ ሳዕቤን፣ ህዝቢ ብሓባር ክምክቶ ምድላዋቱ ከርእይ ኣለዎ’ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ምሕጽንታኡ ድሕሪ ምቕራብ፣ ብዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ከምበርክኻና ዘይከኣላ ሃገራት፣ ስምና ንምጽላም ሰፊሕ ናይ ሜድያ ጎስጓሳት ንምግባር ይዳለዋ ኣለዋ ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንዛዝሞ ኢና ብምባል ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኣወጀ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ግጉይ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ስለዝወሰደ’ዩ ነታ ሃገር ናብ ኣፈፌት ምብትታን ኣብጺሑዋ ዘሎ፣ ክብሉ ሓያሎ ተንተንቲን ዲፕሎማሰኛታትን ርእይቶታቶም ይህቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0