መንግስቲ ሱዳን ግፋ ስደተኛታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ናብ ሊብያ ንምስጋር ይሸባሸቡ

መንግስቲ ሱዳን ግፋ ስደተኛታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ናብ ሊብያ ንምስጋር ይሸባሸቡ

Radio Erena: 01 June 2016

Gifa

መንግስቲ ሱዳን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ምግፋፍ መስርሕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሊብያ ንምስጋር ይዳለዉ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ዘካየዶ ግፋ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ 1200 ስደተኛታት ቀይዱ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣብዚ መንግስቲ ሱዳን ዘካይዶ ዘሎ “ናብ ሊብያ ንምስጋር ዝወጠኑ’ዮም፣” ንዝበሎም ስደተኛታት ናይ ምግፋፍ መስርሕ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኢትዮጵያውያን’ውን ተታሒዞም ኣለዉ።

 

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊሱ’ዩ።

እዞም በብእዋኑ ተገፊፎም ኣብ ኣብያ ማኣሰርቲ ካርቱምን ካልእን ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን’ውን ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ስግኣት ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ምስ ኢጣልያ ብዝኣተዎ ዝተፈላለየ ናይ ሓገዝ ስምምዓት’ዩ፣ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ቅድሚ ምስጋሮም ንምዕጋቶም ዝገፎም ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0