መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ክወጽእ ሓቲቱ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ክወጽእ ሓቲቱ

Radio Erena: 25 Novemeber 2014

UNamid

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራትUNAMID ክወጽእ ሓቲቱ።

ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክወጽእ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተሓተተሉ ምኽንያት እኳ እንተዘተነጸረ፣ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ብሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሓንቲ ቁሸት ዝኾና 200 ደቂንስትዮ ፈጺምዎ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዝ ምዃኑ’ዩ ዝንግረሉ።

 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ኣብቲ ጾታዊ ዓምጸ ተፈጺምሉ ዝተባህለ ቁሸት ምጽራይ ንኸካይድ ብዘቕረቦ ጠለብ፣ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ምፍቓዱ፣ ናብቲ ቦታ ዝተላእከ ጉጅለ ብዛዕባቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዓመጽ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይረኸበ’ዩ ተገሊጹ።

እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ብርክት ዝበለ ሰራዊትን ኣጽዋር መንግስቲ ሱዳን ተዋፊሩ ምህላዉ እቲ ናብታ ቁሸት ዝበጽሐ ልኡኽ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምቅልዑ ብመንግስቲ ሱዳን ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓብዱላህ ኣል ኣዛርቕ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ምስርሕ እናሓለወ በብቕሩብ ክወጽ መንግስቲ ሱዳን ከምዝወሰነ ኣረጋጊጹ።

እቲ ውሳኔ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ ኣቐዲሙ ክሕሰበሉ ዝጸንሐ ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ቅድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2007’ዩ ናብቲ ምጽናት ዓሌት ይፍጸሞ ኣሎ እናተብሃለ ዝግለጽ ዝነበረ ምዕራባዊ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ተዋፊሩ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0