መንግስቲ ሱዳን ተወሰኽቲ 28 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊሱ

መንግስቲ ሱዳን ተወሰኽቲ 28 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊሱ

Radio Erena: 11 July, 2014

Eri In sud

መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገፊፉ ናይ ምምላስ መስርሕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ’ውን ተወሰኽቲ 28 መንእሰያት ናብ ኤርትራ መሊሱ።

ካብቶም መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሶም ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆሎኡን ደቂንስትዮን’ውን ከምዝርከብኦም እቲ ዝበጽሓባ ሓበሬታ የረጋግጽ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝፈተኑን ኣብ ካርቱም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ጸኒሖምን ንዝበሎም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ምግፋፍ ካብ ዝጀመረሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ መሊሱ ኣሎ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን 74 ኤርትራውያን ናብ ብመንገዲ ከሰላ-ተሰነይ ናብ ኤርትራ ዝመለሰ መንግስቲ ሱዳን፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብትሪ ከምዝተነቕፈ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ሱዳን ነቶም ካብ መዓስከራት ወጻኢ ኣብ ከተማታት እታ ሃገር ዝሕዞም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ምምላስ ክቕጽሎ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሸገረብን ካልኦት መዓስከራትን ሱዳን ውሕስነት ዘይብሉ እንኾነ ስለዝመጸ፣ ኣብቲ መዓስከር ተዓቝቦም ዝነበሩ 10ታት ኣስሓት ስደተኛታት ነቲ መኦኣስከር እናራሕርሑ ናብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሱዳን ከምዝውሕዙ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ቤት ፍርዲ ሱዳን ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዞም ኣስታት 600 ስደተኛታት 4 800 ዶላር ክኸፍሉ ወይ ድማ ሓያሎ ኣዋርሕ ክእሰሩ ከምዝበየነሎም ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።

እቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝኾኑ ስደተኛታት ዝተበየነሎም መቕጻዕቲ ምስ ወድኡ’ውን ነናብ ዓዶም ክስጎጉ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሱዳን ናይ እትርከብ ከተማ ዶንጎላ ቤት ፍርዲ ወሲኑ ኣሎ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0