መንግስቲ ሱዳን ቀይድዎም ዝጸንሐ 20 መራሕቲ ተቓወምቲ ለቒቑ

Radio Erena: 27 December 2016

Sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ 20 መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝለቐቐ ሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ሓቢሩ።

እቶም ብሰንበት 25 ታሕሳስ ዝተለቁ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲን መድሃኒት ዝተኻየደ ሰልፍታት ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ዝተቐየዱ’ዮም።

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ን20 ኣባላተን ናጻ ከምዝለቐቑ ዘረጋገጻ ተቓወምቲ ውድባት፣ ክልተ ቀንዲ መራሕቲ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተኣሲሮም ከምዘለዉ የመልክታ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ተሓቲማ ንሰንበት 25 ታሕሳስ ክትዝርጋሕ እትዳሎ ንዝነበረት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣል ጣያር ፣ ካብ ዝርግሐ ከምዝዓገቱ ተሓቢሩ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ንኩሉ ቅድሓት እታ ጋዜጣ ከምዝሃገሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ ለካቲት 2015 ኣትሒዙ ንማሕተም ቅድሚ ምብቅዐን ዝኣገደንን ተሓቲመን ቅድሚ ምዝርግሐን ናይ ዝሃገረንን ብዝሒ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብውሕዱ 14 ይበጽሕ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ንገሊኤን ደጋጊሙ ብምእጋድ፣ ብድምር 29 ግዜ ጋዜጣታት ቅድሚ ምዝርግሐን ሃጊሩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0