መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም ይገፍፍ

መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም ይገፍፍ

Radio Erena: 11 June 2015

sudan gifa

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ንዝረክቡ ኤርትራውያን ይገፍፍ ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብፍላይ ሰሓፋ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ካርቱም፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንኤርትራውያን እናገፈፉ ናብ መደበራት ፖሊስ ከምዝወሰድዎም ነቲ ኩነታት ብኣካል ዝተዓዘቡ ምንጭታት ኤረና ኣሳእል ብምስናይ ልኢኾምልና ኣለዉ።

እቶም ኣብ መደብር ፖሊስ ሰሓፋ ድሕሪ ምብጽሖም’ውን ንመብዛሕቶም 80 ፓውንድ ብምኽፋል፣ ስእሎም ዝተለጠፎ ግዝያዊ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብምዕዳል ከምዘፋነውዎም’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

 

እዚ ሕጂ 80 ፓውንድ ዝኽፈሎ ዘሎ ግዝያዊ መንቀሳቐሲ ቅድሚ ሕጂ 20 ፓውንድ ጥራይ ምንባሩ’ውን ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ነቶም ብሓሙስ 4 ሰነ ናብ መዓስከረ ሸገረብ እናተሰጋገሩ ብዕጡቓት ዝተጨውዩ 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝቀልጠፈ ከድሕኖምን ንጨወይቶም ድማ ናብ ሕጊ ከቕርብን ሕቡራት ሃገራት ካብ ኒውዮርክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።

ዛጊት መንነቶም ዘይተነጸሩ ዕጡቓት፣ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 14 ኤርትራውያን ድሕሪ ምጭዋዮም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ደሃይ የብሎምን።

መንግስቲ ሱዳን ጸጥታ ናይቲ ኣብ መሬቱ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ከውሕስ ዝግብኦ ክነሱ፣ ብሰንኪ ድኽመት ናይቲ መንግስትን ብልሽውና ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ እታ ሃገር ንስደተኛታት ኣዝያ ሓደገኛ ኮይና ትርከብ።

ብናይ ትካል ስደተኛታት መኪና ተጻዒኖም ናብ መዓስከር ሸገረብ ዘምርሑ ዝነበሩ 49 ስደተኛታት፣ ዕጡቓት ድሕሪ ዝኸፈትሎም ቶዅሲ ካብታ መኪና ነጢሮም ክሃድሙ ዝፈተኑ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ከምዝቖሰሉ’ውን መግለጺ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ምጭዋይን መሸጣን ስደተኛታት ደው ንምባል መንግስቲ ሱዳንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብተደጋጋሚ ዘካየድዎ ስምምዓት ዘተባብዕ ውጽኢት ክርከቦ ኣይከኣለን።

መንግስቲ ሱዳን ብምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ንዝተኸሱ ጥራይ ዝምለክት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከምዘቖመን፣ ገበነኛታት ንዝኾኑ ድማ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሎም ከምዝኽእልን እኳ እንተሓበረ፣ ኣብ ግብሪ ግና ክውዕል ኣይከኣልን።

ዞባ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ርእሲ’ቲ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ዝተነጸለ ምዃኑ፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣመሓደርትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን’ውን ብብልሽውና ዝተፈልጡ’ዮም።

===================================

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0