መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 5 መዓልታት ተወሰኽቲ ኣማኢት ኤርትራውያን ቀይዱ

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ 5 መዓልታት ተወሰኽቲ ኣማኢት ኤርትራውያን ቀይዱ

Radio Erena: 07 June 2016

Gifa

መንግስቲ ሱዳን ሒዝዎም ንዘሎ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከይመልሶም፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ቅልጡፍ ግብረመልሲ ከርእዩ ሓደ ካብ ማእሰርቲ ዝሃደመ ኤርትራዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብ3 ሰነ ብክልተ ሎሪ ተጻዒኖም ናብ ሊብያ እናሰገሩ ካብ ዝተታሕዙ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሓደ ዝኾነ እቲ መንእሰይ፣ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቶም ኣብ በረኻታት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት ናብ ኤርትራ ከይስገጉ ዘለዎም ፍርሕን ሻቕሎት ገሊጹ።

ኣቐዲማ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ኤርትራ መሊሳ ዘላ ሱዳን፣ ነዞም በብእዋኑ ዝኣከበቶም ልዕሊ 1200 ኤርትራውያን’ውን ከይትጥርዞም ስግኣት ኣሎ።

 

መብዛሕቶም እዞም ካብ ሱዳን ዝተሰጉ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣቤቱ ተኣሲሮም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

Human Rights Watch ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራውያን ብምስጓጉ ብትሪ ድሕሪ ኮኒንዎ’ዩ።

እንተኾነ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ምስጓግ ደው ንምባሉ ግብራዊ ስጉምቲ ኣይወሰደን።

ክቡራት ተኸታተልቲ፣ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝሃደመ መንእሰይ ብዛዕባ’ቲ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ንሬድዮ ኤረና ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተኸታተሉ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0