መንግስቲ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣውጺኡ

Radio Erena: 23 August 2022

 

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ እንዳወሰኸ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣውጺኡ።

ብ16 ነሓሰ ዝዘነበ ማይ ብዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ልዕሊ 2500 ሰባት ካብ መነባብሮኦም ኣመዛቢሉ እንከሎ፣ ብ ዕለት 19 ዝሃረመ ማይ፣ ብውሑዱ ኣብ 17 ዓድታት ዝርከብ ልዕሊ 30 ሽሕ ህዝቢ ተመዛቢሉ ይርከብ።

ህዝቢ’ተን ከባቢታት ኣብ ቤት ትምህርታትን ካልእ ህዝባውያን ቤት ጽሕፈታትን ክዕቆብ እንከሎ፣ ንስታድዩማት እውን ናብ ግዚያዊ መዕቆቢ ቀዪሩዎም ይርከብ።

ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ልዕሊ 860 ሽሕ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት የድልዮ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ኣመልኪተን።

እዚ ፈለግ ናይል ኣብ ዝሓልፈን ዞባታት ሱዳን ዓመታዊ ዝረአ ዕልቕልቕ፣ ምስ ናይ ዓሚን ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታትን ክረአ እንከሎ፣ ቁጽሪ ግዳያትን ኣስዒቡዎ ዘሎ ዕንወትን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ እዩ ዝግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0