መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣስታት 700 ሶማላውያን ሰጉጕ

Radio Erena: 08 October 2021

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ተወላዶ ናይታ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እትመሓደር ሶማል ኢኹም ዝበሎም ኣስታት 700 ሰባት ሰጕጉ።

ሓይልታት ጸጥታ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ነቶም ‘ዘይሕጋውያን ስደተኛታት’ ዝበልዎም ሶማላውያን፣ ካብ ከተማ ላስኣኖድ ገፊፎም’ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ብዓበይቲ መካይን ሰጕጎሞም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሑሰን ሮብለ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒኖሞ።

‘ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣካል ሉኣላዊት ሶማል’ያ’ ኢሉ ዝኣመን ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ምስጓግ ናዞም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ዜጋታት ሶማል፣ ዘይሕጋውን ምትኹታኽ ዝዕድም’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

መብዛሕቶም እቶም እቶም ኣብ ዶባ ካብ እትርከብ ከተማ ዝተሰጎጉ ሶማላውያን፣ ካብታ ብፈደራላዊ መንግስቲ እትመሓደር ሶማል እናሃደሙ ንዓመታት ዝተቐመጡ’ዮም።

ከካብ ገዝኦምን ትካላቶምን ተገፊፎም፣ ንብረቶም ከይሓዙ ከምዝተሰጎጉ ድማ’ዮም ንኣገልፍሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጾም።

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብወገኑ፣ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝበሎም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዝሰጎጎም ኣረዲኡ።

ሶማሊላንድ፣ ኣብ 1991 ካብ ሶማልተፈልያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር እኳ እንተኣወጀት፣ ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ኣይተዋህባን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0