መንገዲ ኣየር የመን፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ካብ ሰንዓ ናይ መጓዓዝያ በረራ ኣካይዱ

Radio Erena: 18 May 2022

መንገዲ ኣየር የመን፣ ካብን ናብን ሰንዓ ዘካይዶ ዝነበረ ኣህጉራዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ኣብ 2015 ደው ካብ ዘብል ንደሓር፣ ብሰኑይ 16 ግንቦት፣ ንፈለማ እዋኑ 151 ገያሾ ናብ ዓማን ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ከምዘብጽሐ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ቅድሚ ናብ ዮርዳኖስ ምብራራ፣ መንግስቲ የመን ካብ ዝቖጻጸራ ከተማ ዓደን ተበጊሳ፣ ናብታ ሑቲ ዝቖጻጸራ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝኣተወትሉ፣ ድሙቕ ናይ ኣቐባብለ ስነ ስርዓት ተኻይዱላ።

ምጅማር ኣህጉራዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ካብን ናብን ሰንዓ፣ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ንዝርከብ ስምምዕ ምቑራጽ ተጻብኦታት የመን፣ ተወሳኺ ተስፋ ሂብዎ ኣሎ።

ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ሑቲ ድሕሪ ምውዳቓ፣ ንሽዱሽተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ፣ ቀጥታዊ በረራ ካብን ናብን እታ ከተማ ሰንበት 24 ሚያዝያ ክጅምር ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ውዱእ ሰዓት ፍቓድ ኣይረኸብኩን ብዝብል ነቲ በረራ ብምስራዝ፣ ንሕክምናን ካልእ ህጹጽ ጉዳያትን ንዝተበገሱ ገያሾ ይቕሬታ ምሕታቱ ይዝከር።

የመን፣ ኣብ መንጎ ሑቲን ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመንን ተመቓቒላ ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ኣህጉራዊ ናይ መጓዝያ በረራታት ናብታ ኣብ ትሕቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ የመን እትርከብ ዓደን ጥራይ’ዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ነበር ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ስምምዕ ሰላም ዝሓሸ ዕድል ንምሃብ ብዝብል፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ስልጣኑ ሸሞንተ ኣባላት ንዘለውዋ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ምስ ‘ረከበ ምርካቡ፣ ሑቲን መንግስቲን ናብ ዘተ ክቐርብ ዝሓሸ ተኽእሎ ምህላዉ ይንገር።

ብ ‘ኣንሳር ኣላህ’ ዝፍለጡ ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ 2015 ንዝበዝሐ ክፋል የመን ምስ ተቖጻጸሩ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ነቲ ናብ ስደት ዘምርሐ መንግስቲ ንምድጋፍ፣ ንከተማ ሰንዓን ካልእ ኣብ ትሕቲ ሑቲ ዝርከብ ከባቢታትን ኣብ ከበባን ዕጽዋን ኣእትዮሞ።

ኤርትራውያን ዝተጸንበረቶ፣ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ልፍንቲ ንዝኸፈተሎ ጽዑቕ መጥቃዕታት ንሽዱሽተ ዓመታት መኪቱ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሑቲ ምስቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ናብ ዘተ ክቐርብ እንተኾይኑ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ሰራዊተን ክስሕባን፣ ከበባን ዕጽዋን ድማ ከብቅዕን ይጽውዕ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0