መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣስጋኢ’ዩ ተባሂሉ

ኣህጉራዊ ማሕበር ሲቪል ኣቭየሽን፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብንተ ዘይውሑስ መንገዲ ኣየር ካብ ዘለወን 13 ሃገራት ዓለም’ያ ክብል ረቒሑዋ።

    እቲ ንኩነታት ኣቭየሽን ሃገራት ዓለም ዝከታተል ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ማሕበር፣ ዘይውሑስ መንገዲ ኣየር ዘለወን ሃገራት ኢሉ ካብ ዝረቑሐን 13 ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ኣንጎላ፣ ኮንጎ፣ ጅቡቲ፣ ጊኑ ቢሳውን ህንድን ይርከብአን።
 
    እንተኾነ ህንዲ ነቲ ብኣህጉራዊ ማሕበር ሲቪል ኣቭየሽን ዝቐረበ፣ ንውሕስነት መንገዲ ኣየራ ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ ነጺጋቶ ኣላ።

    ኣህጉራዊ ማሕበር ሲቪል ኣቭየሽን፣ ነተን 13 ሃገራት ውሕስነት ዘየብለን ኢሉ ኣብ ቅድሚት ዘቀመጠን ኣብ መንገዲ ኣየር እተን ሃገራት ብዘጋጠመ ሓደጋታት፣ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ዘጋጠመ ምቁራጽ በረራታትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰረ ጉዳያትን ብምጽብጻብ’ዩ።

    ካብ ዝጅምር ብዙሕ መሰናኽልን ምቁራጽን ዘጋጠሞ መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ እኳ እንተዘየጋጠሞ፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ውሕስነት ዘየብላ ነፋሪት ግና ምስተን ውሕስነት ዘየብለን ሃገራት ክስራዕ ከምዘኽኣሎ ይግለጽ።

    መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ናይ ውሕስነት ጉዳይ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ በረራታት ከየካይድ ኮሚሽን ኤውሮጳ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ’ዩ።
    ናይ ፍራንክፈርት በረራታቱ ክስርዝ ዝተገደደ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ በረራታት ዘካይደላ ዘሎ እንኮ ኤሮጳዊት ሃገር ኢጣልያ’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0