‘መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ ኣስታት 50 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ኣጋጢምዎ’ዩ ደው ኢሉ’ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮና ናቕፋ ክሳረ ከምዘጋጠሞ፣ ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ገሊጹ።

ኣቶ ክብሮም ኣብቲ ንኩነታት እዚ ሕጂ ኣብ ደው ምባል በጺሑ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ዝርዝራዊ ትንታነ፣ እቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ 2003 በረራ ካብ ዝጀመረሉ፣ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣሰራርሓ ክኽተል ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ፣ ብኸምዚ ኣካይዳ ክሰርሕ ዝጸንሐ ትካል ደው እንተበለ ድማ ዘገርም ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

 

ካብ 2006 ኣትሒዙ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ማናጀር ናይቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ክብሮም፣ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መወዳእታ ናይ ደው ኣብ ዝበለሉ፣ ናይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ናቕፋ ወይ ድማ ካብ 40 ክሳብ 50 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ኣጋጢምዎ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ መንገዲ ኣየር ሓንቲ 2 ወይ 3 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ዝኾነ ነገር ኣብ ኢድ እቲ መንገዲ ኣየር ከምዘየለ’ውን ሓቢሩ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0