መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ጀሚሩ፣ ወደብ ባጽዕ ንኣገልግሎት ኢትዮጵያ ክኽፈት’ዩ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ጀሚሩ፣ ወደብ ባጽዕ ንኣገልግሎት ኢትዮጵያ ክኽፈት’ዩ

Radio Erena: 05 August 2018

eri planeመንገዲ ኣየር ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመት ናይ ፈለማ በረርኡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘካየደ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እታ ብቀዳም 4 ነሓሰ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝዓለበት ነፋሪት ኤርትራ፣ ሚኒስተር መጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ፣ ዳይረክተር ጀነራል ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ዘጠቓለለ ጉጅለ ሰበስልጣን ኤርትራ ሒዛ ምንባራ ተገሊጹ።

ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዘሪቱ ዘመነ እትርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን’ቲ መንግስቲ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ከምዝገበሩሎም፣ ኣገልግሎት ዜና ሺን ሁዋ ሓቢሩ።

ብካልእ ወገን፣ ወደብ ባጽዕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ንናይ ንግዲ መራኽብ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ክፉት ከምዝኸውን፣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ኣገልግሎት ዜና ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኣቑሑትን ሃለኽቲ ነገራትን ብወደብ ባጽዕ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ክጎዓዓዝ ዘድሊ ኩሉ ምድላዋት ተጻፊፉ ከምዘሎ ንበዓል ስልጣን ባሕርያ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ጉጅለ ክኢላታት ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን’ዚ ናብ ወደብ ባጽዕ ዑደት ኣካዪዶም፣ ንምሕዳስ’ቲ ወደብ ከምዘረጋገጹ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትግልገለሉ ምፍቃዱ ዝዝከር’ኳ እንተኾነ፣ እቲ ወደብ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ብወገን ኢትዮጵያ’ውን ንትሕተ ቅርጺ ብዝምልከት ምሕዳስ ዘድልዮ ነገራት ብምህላዉ፣ ንወደብ ባጽዕ ህጹጽ ምሕዳስ ክግበረሉ ከምዝተመርጸ፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ገሊጾም።port massa

ወደብ ባጽዕ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሓደስቲ ናይ ኢንዱስትሪ ዞባታት ከም ፖታሽ ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ኣብ ምቕራብ ኣዝዩ ተመራጺ ከምዝገብሮ እቶም ክኢላታት ብተወሳኺ ገሊጾም።

ምስ ምኽፋት ወደባት ኤርትራ ንኢትዮጵያ፣ እታ ሃገር ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሓ ናይ ካርጎ መኽዘናት፣ ኣብ ደቡብ ጎንደር ሓድሽ መኽዘን ክትሃንጽ ምዃና ሰበስልጣን ባሕርያ’ታ ሃገር ይገልጹ።

እዚ ብዘይንቡር ፍጥነት ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና መንግስቲ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ዝሕበሮ ነገር ስለዘየሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩን ሃገሩን፣ ተዓዛቢ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ካብ ሓያሎ ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0