መንገዲ ኣየር ቐጠር፣ ናብ ጅቡትን ኤርትራን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ’ዩ

መንገዲ ኣየር ቐጠር፣ ናብ ጅቡትን ኤርትራን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 15 August, 2014

qatar airways

ናብ ጅቡቲ ሓድሽ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቐጠር፣ ናብ ኤርትራ’ውን በረራታት ንምጅማር መደባቱ ኣብ ምጽፋፍ ከምዘሎ፣ ማዕከን ሓበሬታ ኤር ጆርናል ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ቐጠር፣ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊርዎ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብን ናብን ኣስመራ-ዶሓ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ’ዩ።

ኣቐዲሙ ናይ ኣፍሪቃ በረራታቱ ከስፍሕ ምዃኑ ክገልጽ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ቐጠር፣ ካብ 27 ሓምለ ኣትሒዙ ካብን ናብን ጅቡትን ዶሓን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ’ዩ።

 

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ በራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቐጠር፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዕዳጋታት ብዝሰፍሐ መልክዑ ይጽንበሮ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ክሳራ በረራታቱ ዘቛረጸ ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ መንገዲታት ኣየር ኤርትራ፣ የመንን ግብጽን ከምኡ ድማ ዋንነቱ ብጽኑር ዘይፍለጥ ናስ ኣየርን ስሩዕ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

መንገዲ ኣየር ቱርኪ’ውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ኤርትራ በረራታት ክጅምር ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ርእሲ ብዝተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ጸገማት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ መንገዲታት ኣየር የመንን ግብጽን፣ ካብ ኤርትራ ንዝብገሱ ገያሾ ዶላር ክኸፍሉ ከገድዳ ጀሚረን ብምህላወን፣ ኣብ ኤርትራ ኣተኣማማኒ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0