መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ንመስመራት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብምትካእ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ንመስመራት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብምትካእ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

Radio Erena: February 17, 2014

Sudan air

ኣብ ዝበዝሐ ክፍሊ ዓለም ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከየካይድ ዝተኣገደ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝስርሑ ደው ዝበለ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብምትካእ ካብን ናብ ኣስመራ፣ ዱባይን ጅዳን በረራታት ክጅምር’ዩ።

እቲ ብሰንኪ ውሕስነት ካብ ኣህጉራዊ ኣቭየሽን ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ዝበዝሓ ሃገራት ኤስያን ናይ በረራ ፍቓድ ዘይረኸበ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ነቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሒዝዎ ዝነበረት መስመራት ካብን ናብን ኣስመራ፣ ዱባይን ጅዳን ኣብ ርእሲ ምትካእ ናብ ካርቱምን ጁባን ዝካየድ ዝነበረ በረራታት’ውን ክቕጽሎ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

 

መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ዝኣረጋ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣብ ርእሲ ምውናኑ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልበሽር ጸኒዑ ዝርከብ ቁጠባዊ እገዳ’ውን መቀያየሪ ኣቑሑ ክሽምት ስለዘይክኣለ ዝበዝሓ ነፈርቱ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ምህላወን ይግለጽ።

ብሰንኪ እዚ ድማ መንገዲ ኣየር ሱዳን ውሑስን ስሉጥን ኣገልግሎት ክህውን ከምዘይጸንሐ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ስርሑ ደው ብምባሉ፣ ነቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሒዝዎ ዝነበረት በረራታት ንምትካእ እቲ መስመራት ነቲ ሓደ ካብ ድኹማት መንገዲ ኣየር ዓለም ዝኾነ መንገዲ ኣየር ሱዳን ተዋሂቡ ይርከብ።

መንገዲ ኣየር ግብጽን የመንን’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዘሎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣገልግሎተን ካብ ሒደት ሃገራት ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክሓልፍ ኣይከኣለን።

ካብን ናብን ኣስመራ ኤውሮጳ ውሑስን ስሉጥን ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ሉፍታንዛ ናብ ኤርትራ ዘካየድዞ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ከምዘበሎ ድሕሪ ምግላጹ፣ ካብን ናብን ኣስመራን ኤውሮጳን ቀጥታዊ በረራ ዘካይድ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዛጊት ከምዘየለ ይጥቐስ።

ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንገድታት ኣየር ቱርክን ቀጠርን ኣብ ምዝርራብን ከምዘሎ’ውን ምንጭታት ይጠቕሱ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0