መንእሰያት፣ መንነት ወረቀት ንምሕዳስ ካብ ኣሃዱታቶም መረጋገጺ ከምጽኡ ይሕተቱ

Radio Erena: 21 October 2016

Imi

ናይ ኤርትራ ዜግነት መንነት ወረቀት ንምሕዳስ፣ ህዝቢ ናይ ነባርትን ወይ ከኣ ካብ ኣሃዱታት መረጋገጺ ከምጽእ ይሓትት ኣሎ።

መንነት ወረቀት ንምሕዳስ ናይ ቀደም መንነት ምምላሱ ወይ ምርካቡ እኹል ከምዘይኮነ ምንጭታት ኤረና ይሕብሩ።

ልዕሊ 55 ዓመት ንዝኾኑ ኤርትራውያን ናይ ነበራት መረጋገጺ ክሕተቱ እንከለዉ፣ ትሕቲ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ከኣ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፋነወሉ ወይ ከኣ ናይ ዘለውዎ ኣሃዱ መረጋገጺ ከቕርቡ ይግደዱ ኣለዉ።

እቲ መንግስቲ፣ መንነት ወረቐት ንምሕዳስ ብዝብል ጉልባብ፣ ካብ ኣሃዱታቶም ሃዲሞም ናብርም ንዝመርሑ ዘለዉ መንእሰያት ንምህዳን ይሕልን ከምዘሎ’ዮም ምንጭታት ኤረና ዘመልክቱ።

ኤርትራዊ መንነት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈጺሙ ኣይፈጺሙ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝግብኦ መሰል እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ብኣባልነት ህግደፍን ሃገራዊ ኣገልግሎትን’ዩ ኣተኣሳሲርዎ ዘሎ።

ገና መንነት ወረቐት ዘይሓዙ ኣባላት ሃገራዊ ኣገገልግሎት፣ ካብ መበቆል ዓዲ እንዳቦን ኣደን መረጋገጺ እንተዘየምጺኦም’ውን ናይ ዜግነት መንነት ወረቐት ከምዘይወሃቦም ይፍለጥ።

በንጻር እዚ ድማ እቲ መንግስቲ፣ ንሓያሎ ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ንዝተፈላለየ ዕላማታት ንምውፋር ናይ ኤርትራ መንነት ወረቀትን ፓስፖርትን ከምዝዕድሎም ይፍለጥ።

ኩዌት ዜጋታት ኣይኮንኩን ንዝበለቶም ‘ብኣቡዱን’ ዝፍለጥ ኣሽሓት ኣዕራብ’ውን ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብ 1997 መንነት ወረቀትን ናይ ኤርትራ ፓስፖርትን ከምዝሸጠሎም ኣይርሳዕን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0