መበል 8ይ ፕረዚደንት ግብጺ ኮይኑ ዝተመርጸ ኤል ሲሲ፣ ፕረዚደንት ኤርትራን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ዝተኽብሉ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

መበል 8ይ ፕረዚደንት ግብጺ ኮይኑ ዝተመርጸ ኤል ሲሲ፣ ፕረዚደንት ኤርትራን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ዝተኽብሉ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

Radio Erena: 9 June, 2014

Al fatah

መበል 8ይ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ግብጺ ኮይኑ ዝተመርጸ ዓብደል ፋታሕ ኤል ሲሲ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ግብጺ ነበረ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኤል ሲሲስ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር እቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መራሒ ሰልፊ ሕውነት ኣስላም ዝነበረ መሓመድ ሙርሲ ድሕሪ ዝተወልዐ ተቓውሞ፣ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለዩ ኣይርሳዕን።

ብህዝቢ ዝተመርጸ መሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣኑ ብምእላይን ኣብ ምርጫ ደጊሙ ከይወዳደር ብምእጋድን፣ ጀነራል ኣልሲሲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ብ97 ሚእታዊት ከምዝተዓወተ ብምጥቃስ፣ ትማሊ ሰንበት 8 ሰነ ሕጋዊ ወግዓዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ንኣርባዕተ ዓመታት ንኸገልግል ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

 

ኣብ ስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ-መሓላ ኤል ሲሲ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ንጉስ ዮርዳኖስ፣ ንጉስ ባሕሬን፣ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሚር ኩአኤትን ኣሚር ኢማራት ዓረብን ከምዝተረኽቡ ተሓቢሩ።

ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብን ኣፍሪቃን ነቲ ፕረዚደንት ናይ እናቛዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ እኳ እንተሰደድሉ ኣብ ስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ-መሓላ መበል 8 ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ግብጺ ግና ኣይተረኽቡን።

ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኣብዚ ናይ ቃስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኤል ሲሲ ዝተረኽበሉ ምኽንያት፣ ብጉዳይ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ሚልዮነዮምን ኣብ መንጎ እቲ ኢትዮጵያን ግብጽን እናሓርፈፈ ክመጽእ ንዝጸንሐ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዝምድናታት ንምኽሳብ ዝዓለም’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይጠቕሱ’ዎ።

ግጽብን ኤርትራን ስትራቴጂያዊ ዝምድና ከምዘይጸንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ብቀጻሊ ኣብ ዘካይዶ ቃለ መጠይቕ ነቲ ግብጺ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ክነቅፍን ንግብዚ ከነኣእስን’ዩ ዝስማዕ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0