መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ዝተነብረ እገዳታት ክልዓል ጸዊዑ

Radio Erena: 09 February 2022

ብቀዳም 5ን ሰንበት 6ን ዝተኻየደ፣ መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ኣንቢረሞ ዘለዉ እገዳታት ክልዓል ጸዊዑ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋ መንግስታት ዝኾነነ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት፣ ኣብ ጉዳያት ሃገራት ኣፍሪቃ ጣልቃ ብምእታው፣ ናይ ቁጠባ ይኹን ፖለቲካ እገዳታት ካብ ምትግባር ደው ከብልኦ ኣተሓሳሲቡ።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ ንምትእትታው ካልኦት ሃገራትን እገዳታትን እኳ እንተተቓወመ፣ ኣብዛ ኣህጉር ሰሪቱ ዘሎ ሕሉፍ ምልኪን ዘይደሞክራስያዊ ስርዓታትን ክነቅፍ ኮነ ደሞክራሲ ንምስፋን ከተባብዕ ኣይተሰምዐን።

ካብ 55 ኣባላት ሃገራት እዛ ኣህጉር፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ብውሕዱ ሸሞንተ ሃገራት፣ መራሕተን ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ፣ ህዝበን ድማ ሰኣን ግቡእ ምሕደራን ምልካዊ ስርዓትን ንስእነት፣ ምጉስቓልን ስደትን ተቓሊዑ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ውሑስ ምስግጋር ስልጣንን ከረጋግጻ ብዘይምኽኣለን፣ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ልሙድ ተርእዮን ምስሊን ናይዛ ኣህጉር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር፣- ኣብ ሱዳን፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጊኒ ኮናክሪን ጊኒ ቢሳውን ዕልዋታትን ፈተነ ዕልዋን ተኻይዱ።

ብምወላ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ዝመሓደር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ናይዚ ዓመት’ዚ ዋዕልኡ፣ እስራኤል ኣብቲ ሕብረት ናብ ዝነበራ ናይ ተዓዛቢት ኣባልነት ክትምለስ ንዝቐረበ እማመ፣ ሎሚ ዓመት’ውን፣ ውሳኔ ከይተዋህቦ ክጸንሕ ብተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0