መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይጽንበል ኣሎ

Radio Erena: 23 May 2022

24 ግንቦት፣ መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ትጽንበል ኣላ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎም ዝዝክርዋ ዘለዉ 24 ግንቦት፣ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃባ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ዘረጋገጸላ ዕለት ብምዃና፣ ንኩሉ እትሓቁፍ’ያ ክብሉ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ርእይቶታቶም ይህቡ።

ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብውሑዳት ተጨውዩ ዝርከብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ንምስሊ’ዛ ዕለት ደዊኑዎ እኳ እንተሎ፣ ብመሪር ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ዝተረኽበ ምዃኑ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ኣዘኻኺሮም።

ካልኦት ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብስደትን ሕሱም መነባብሮን ይግረፍ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፣ ናይ ሓቂ ናጽነቱ ረኺቡ ክበሃል ከምዘይክእል ኣገንዚቦም።

እንተኾነ እዛ ካብ ተኸታታሊ መግዛእታት ናጽነት ዝተኣወጀላ መዓልቲ፣ ብዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ደኣምበር፣ ብውሑዳት ሕድሪ ብጾቶም ዝጠለሙ ክትግለጽ ከምዘይግባእ ብምኽንያት እዛ ዕለት፣ ዝውሕዝ ዘሎ ርእይቶታት የረድእ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0