መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ  ኣብ ስዑዲ ተኻይዱ

መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ስዑዲ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 April 2018

Arab league

መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብ15 ሚያዝያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ድሃህራን ተኻይዱ።

እዚ መራሕቲ 16 ሃገራት ዓረብ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳያት ፍልስጤም፣ ሶርያ፣ ሊብያን ብምትኳር ዘትዩ።

ኣብ ዞባ ወሽመጥ ብዘሎ ምስሕሓብን ካልእ ዝተፈላለየ ጉዳያትን፣ ኣብዚ ዋዕላ መራሕቲ ቀጠር እትርከበን ሽዱሽተ ኣባላት ሃገራት ኣይተሳተፉን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ጉዳይ’ቲ ምስ ቀጠር ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ከምዘይልዓል’ውን ኣቐዲሙ መግለጺ ተዋሂብሉ እዩ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣኼብኡ ዘካየድ ዘሎ፣ ኣመሪካ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያደን’ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሃገራት ዓረብ ዝተፈላለየ መርገጺ ከምዘለወን’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብቲ ብዙሕ ዘካትዕ ጉዳያት ዝተራእየሉ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ስዑዲ፣ ንህዳሰ ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም፣ ኣብ ዮርሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣልኣቕሳ ዝውዕል ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ።

ብዘይካ ኤርትራን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሓሙሽተ ሃገራት ማለት ግብጺ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ’የን።

ኤርትራ ኣብዚ ኣብ1945 ዝተመስረተ ዞባዊ ማሕበር ናይ ተዓዛቢ ቦታ’ዩ ዘለዋ።

====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0