መርገጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ እንታይ’ዩ?

Radio Erena: 05 July 2020

ግብጺን ኢትዮጵያን፣ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝምልከት ኣብ ወጥሪ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፣ ግብጺ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ፖለቲካውን እንተተድለየ’ውን ወትህደራዊ ደገፍ ሃገራት ዓረብን ጎረባብታን ንምሕታት ምንቅስቓሳታ ከብ እትጅምር ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ንመርገጺ ግብጺ ዝድግፍ ውሳኔ ከሕልፍ እንከሎ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ጂቡቲን ሶማልን ነጺገንኦ ኣለዋ።

ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ጸግዒ ኢትዮጵያ ሒዛ ዝነበረት ሱዳን ብወገና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ግብጺ ዝዛወት እኳ እንተመሰለት፣ ጉዳይ ናይል ብቀጥታ ዝምልከታ ምስ ምዃኑ፣ ምስ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ክብጻሕ ከምዘለዎ ኣነጺራ ኣላ።

ካብ ዝኾነ ኣህጉራዊያን ዞባዊን ጉዳያት ተነጺላ እትርከብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ምትህልላኽ፣ ብንጹር ንግብጺ ክትድግፍ ጸኒሓ’ያ።

እንተኾነ፣ ካብ ሓምለ 2018 እትሒዙ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ዝጀመርዎ ርክብ፣ ኤርትራ ጸግዒ መን ክትሕዝያ ክልቲኤን መቐናቕንቲ ሃገራት ብቀረባ’የን ዝከታተልኦ።

ግብጺ፣ ንኢትዮጵያ ንምድኻም ካብ እዋን ስርዓት ጀማል ዓብደልናስር ኣትሒዛ፣ ኣብ መወዳኣት 1950ታት፣ ኣብ ኤርትራ ዘተኮረ ፖለቲካዊን ወትሃደራውያን ዕላማታት ከምዝነበራ ታሪኽ ሰኒድዎ ይርከብ።

ገለ ካብቶም ቀዳሞት ጀመርቲ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፣ ግብጺ ሓንቲ ካብ ኣውራ ደጀናቶም’ያ ኔራ።

እዚ ድማ ንታሪኽ ‘ቲ፣ ግብጺ ካብ መታሕት ኤርትራ ተበጊሳ ንነገስታት ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣታ ንምእታው እትገብሮ ዝነበረት ናይ 1870ታትን ክሳብ መፋርቕ1880ታትን ኣብ ግምት ከየእተና ማለት’ዩ።

ኣብ 2015 ኣብ የመን ዝተወልዐ ኵናት፣ ነቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ካብ ጎረባብቱን ዓለምን ተነጺሉ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ገጽ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንምርኣይ ኣብቂዕዎ።

ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ንእተካይዶ መጥቃዕታት፣ ንክሊ ኣየርን ማይን ኤርትራ ብዘይስኽፍታ ክትጥቐመሉ ክኢላ።

ኣምሳያኡ፣ እታ ዓረባዊ ሃገር፣ ነቲ ብቁጠባ ድሕሪት ዝተረፈ ስርዓት ኣስመራ፣ ብመልክዕ ሓገዝን ልቓሕን ከተበራብሮ ፈቲና።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ዝኣተወቶ ኵናት ብዓወት ከይዛዘመት፣ ናብ ሊብያ ኣተኩራ ትርከብ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ሊብያ፣ ንጀነራል ሓፍታር ንምድጋፍ፣ ንኤርትራን ግብጽን ከም መሰጋጋሪ ትጥቀመለን ምህላዋ ተሓቢኡ ዝተረፈ ኣርእስቲ ኣይኮነን።

ኣብ የመን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣብ ጎኒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ደው ዝበለት ግብጺ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ጎረቤታ ሃገር ሊብያ ንዘሎ ኵናት ኢዳ ምሕዋሳ፣ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝተኸስተ ምክፍፋል’ውን እምንቲ መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ምዃና ኣመስኪራ።

ኤርትራ’ውን ከም ግብጺ፣ ኣብ ሰለስቲኡ ግንባራት ምስዘን ሃገርት ዓረብ ደው ከምዝበለት ኣይሓብአትን። ብፍላይ’ኳ ኣብ ጉዳይ የመንን ምክፍፋል ሃገራት ወሽመጥን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝሓብሓቦ ኣሚር ቀጠር ጠንጢኑ ናብ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ወራስ ዓራት ሕቡራት ኢማራትን ከምዝሰለመ ከረጋግጽ ሓንቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጥራይ ኣኻሊት ነበረት። ነታ ምስ ቀጠር ከምዝወገነት ዝተፈልጠት ቱርኪ ድማ፣ ምስ ስዑዲ፣ ኢማራትን ግብንጽ ኮይኑ ኮነና።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ናይ 29 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ ዝበዝሐ እዋን ካብ ዝተመላለሰን ሃገራት ሓንቲ ግብጺ’ያ።

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ እስላማዊ ጽልዋታት ንምፍጣር ትጽዕር ኣላ ብዝብል ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፣ ካብ ቀንዲ ጸላእቱ ምንባራ ግና ምዝካር ከድልየና’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብታ ምስ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ልዕሊ 150 ዓመታት ምትእስሳር ዘለዋ ግብጺ፣ ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ፕርዚደንት ኣብዚ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ዑደቱ፣ ዘተኩረሉ ነጥብታት፣ ካብ ጉዳያት ናይል፣ ኢትዮጵያን ሊብያን ዝወጽእ ከምዘይኮነ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ትንታነታቶም ይህብሉ ኣለዉ።

ዋላ’ኳ ኣብ ዘመናዊ ኣገባብ ምግፋፍ ዓሳ፣ ሕርሻ፣ ጸዓት፣ ኣገልግሎት ሕክምናን ካልእን ዘተኮረ ክልትኣዊን ዞባውን ጉዳያት ዝሓቖፈ’ዩ እንተተባህለ።

ብፍካይ እኳ ጉዳይ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን፣ ንግብጺ ናይ ሞትን ህይወትን ምስ ምዃኑ፣ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘማእከለ ምዃኑ ንምግማቱ ከቢድ ኣይኮነን።

ንምግማቱ ቀሊል ዘይከውን፣ ንዓመታት ምስ ግብጺ ኮይኑ፣ ንኢትዮጵያ ንዕንወታ ክሰርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ድሕሪ’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጀሚርዎ ዘሎ ሕግብግብ፣ ንኢትዮጵያ እንታይ ክሓስበላ’ዩ? ዝብል’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    MENGESTY ERITREA NE EGYPT AYDEGEFEN . HASSEWETY.

  • comment-avatar
    isayas 4 years ago

    ha ha ha Isu is giving you sleepless nights in Pari, what a man you left hem waffle and scratch their dim heads this woy-ane ASS wipes..