መራሕቲ ግብጽን ጅቡትን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ስምምዕ ይኽትሙ

Radio Erena: 27 December 2016

Dj Eg

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሰኑይ 26 ታሕሳስ ናብ ግብጺ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ግብጺ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምድልዳል ዝግበር ተበግሶታት፣ ብዛዕባ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጅቡቲ እትሃንጾ ወትሃደራዊ መዓስከርን ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድናን ከተኩር ምዃኑ ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ተኽእሎታትን ግብጺ ክትጻወቶ እትኽእል ናይ መንጎኝነት ተራን ክዝትዩ ምዃኖም ማዕከን ዜና ኣል ምስር ኣልዮም ትእንፍት።

 ፕረዚደንት ግብጺ፣ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ናብ ንቡር ንምምላስ ተበግሶ ክወስድ ከምዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀጠር ዘካየደቶ ናይ ሽዱሽተ ዓመታት ጻዕሪ፣ ምሩዃት ኵናት ካብ ምልቃቕ ዝሓልፍ ካልእ ዓወት ክርከቦ ከምዘይክኣለ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን’ዩ።

ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝኾነት ጅቡቲ ምስ ኢትዮጵያ፣ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሃገር’ያ።

ጅቡቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ምስ ኤርትራ ክህልዋ ንዝነበሮ ዝምድና ዓንቂፉ ከምዘሎ’ዩ ብወገን ኤርትራ ዝዝረብ።

ተበግሶ ሓድሽ ዝምድና ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ሻቕሎት ዝፈጠረላ ግብጺ፣ ምስ ኢትዮጵያ ቅርበት ንዘለወን ሃገራት ንምጽላውን ንሓድሕደን ንምቅርራብን ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖለቲካ የገንዝቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብጉዳይ ናይልን ሓባራዊ ዝምድናን ምስ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንምዝርራብ ናብ ካምፓላ ዘምርሐ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ሕጂ ድማ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ካይሮ ዓዲምዎ ይርከብ።

ምስ ግብጺ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምውጣጥ ዝርከብ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ብጉዳይ ናይልን ምድጋፍ ተቓወምቲ ኦሮሞን ምስ ግብጺ ዘይትቃዶ ኢትዮጵያ ናብ ሪያድ ምዕዳሙ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ’ውን ከም ግብረ መልሲ፣ ነቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ብዝልዓለ ከምዝሰርሕ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ካይሮ ከምዝዓደሞ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሪያድ ምዕዳማ ጥራይ ከይኣክል፣ ኣማኻሪ ንጉስ ሳልማን ናብቲ ምስ ግብጺ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ምብጽሑ፣ ንግብጺ ኣቖጢዑ ይርከብ።

ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሶርያ፣ ብዝወሰድኦ ኣንጻራዊ መርገጺታት ድሕሪ ምስሕሓበን፣ ስዑዲ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ኣቢላቶ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድማ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት በርበረን ካልእ ፍርያት ሕርሻን ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ትወስድ ኣላ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ናይ ግብጺ፣ ነቲ ብሩስያ ዝድገፍ መንግስቲ ባሻር ኣልኣሳድ ከምዝድግፍ ብወግዒ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ነታ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣሳድ ደው ዝበለትን ንተቓወምቲ ሶርያ ክትድግፍ ዝጸንሐት ስዑዲ ዓረብ ከምዘቖጠዐ ይፍለጥ።

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ግብጺ፣ ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ጸቕጢ ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0