መራሕቲ ግብጺን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዞባዊ ጉዳያትን ተመያይጦም

Radio Erena: 04 April 2023

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ2 ሚያዝያ ናብ ጀዳ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ወራሲ ዓራት፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርኻብ ኣብ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ምስ ሶርያ፣ ቱርኪን ኢራንን ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ከምዝተመያየጠ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት ዝጸንሓ ተሪር ፖሊሲ ተፋዅስ ከምዘላ ዝገልጹ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ፣ ግብጺ ተመሳሳሊ መርገጺ ክትሕዝ በቲ ንግስነት ድፍኢት ይግበረላ ከምዘሎ የገንዝቡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንግብጺ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር፣ ፊናንስያዊ ሓገዝ ከምእተበርክተላ ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሓገዝ ክቕጽል እንተኾይኑ፣ ግብጺ ንመርገጺታት ስዒዲ ዓረብ ክትድግፍ ዝብል ቅድመ ኩነት ተነቢርሉ ምህላዉ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ የረድኡ።

ኣብ ቁጠባዊ ምከት ከይትሽመም ሰጊኣ ዘላ ግብጺ፣ ንምሕዋዩ፣ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2023፣ ናይ ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ቀጥታዊ ወፍሪ ከምዘድልያ ‘ያ ትገልጽ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ 3 ቢልዮን ዶላር መሕወዪ ቁጠባ ክመባጽዓላ እንከሎ፣ ዝተረፈ ድማ ከም ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝኣመሰላ መሓዙታ ብወፍሪን ካልእ መልክዕ ሓገዛትን ክብርከተላ ትጽቢት ኣለዋ።

ዑደት ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ድማ ብቀንዱ ኣብዚ ነጥብታት እዚ ዘተኮረ ምዃኑ መርበብ ዜና ኣልጀዚራ ኣገንዚቡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0